ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክሊ ዓፋር ዝነብሩ ገለ ተጋሩ ናይ ባዕልና ወረዳ ስለዝሓተትና ካብ ስራሕ ተባሪርናን ተኣሲርናን ይብሉ


ምምሕዳር`ቲ ኸባቢ ግን “ንምምስራት ወረዳ-ተጋሩ ስለዝሓተቱ ዝተኣሰሩ የለዉን” ይብል

እቶም ብቛንቋና ንመሓደረሉ ወረዳ ይወሃበና ኢሎም ዝሓተቱ ተጋሩ፡ ብሰበ-ስልጣን ዓፋር ምክልባትን ካብ ስራሕ ምብራርን የጋጥሞም ከምዘሎ የማርሩ። “በቶም ንናይ ውልቀ ሃብቶም ዘቐድሙ ሰበ-ስልጣን፡ ሕርሻና ተሓዲግና፡ ስድራናን ቆልዑትናን ብዘይ መግቢ ተደርብዮም ኣለዉ” ይብሉ።

ምምሕዳር`ቲ ኸባቢ ግን፡ ምምስራት ወረዳ ብኣና ዝውዳእ ኣይኮነን ይብል።

እቶም ተጋሩ ናብ ክሊ ዓፋር ዝኣተዉ ፡ ቀደም ኣብ ወረዳ እንደርታ ዝነበረ ሸኻት ዝብሃል ኸባቢ ናብ ክሊ ዓፋር ከምዝኣቱ ተገይሩ “ወረዳ ኣብዓላ” ዝብል ሽም ድሕሪ ምሓዙ ምዃኑ እቶም ተጋሩ ይገልጹ።

ብዝኾነ ንምሉእ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠዊቕኩም ስምዑ፡

XS
SM
MD
LG