ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዝቢ ዓፋር ኣብ ኽልሉ ዘሎ ጨው`ኳ ከምርት ኣይከኣለን ይብል ሓደ ማሕበር ሰብኣዊ መሰል


ህዝቢ ዓፋር ኣብ ገዛእ መሬቱ ምንባር ዝሰኣነሉ ኹነታት`ዩ ዘሎ `ውን ይብል

ብምኽንያት`ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኽሊ ዓፋር ኣብ ልዕሊ ቱሪስትታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ናይ ሓዘን መግለጺ ዘውጽአ ሰብኣዊ መሰል ዓፋር ዝተባህለ ትካል ካብ ብራስልስ ከምዝሓበሮ፡ ዕላምኦም ብኹሎም ወገናት ይኹን መንግስታት`ቲ ኸባቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር በደል ክፍጸም ከሎ ንዓለም ምቅላሕ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ፕረሲደንት`ቲ ማሕበር ኣቶ ገዓስ መሓመድ ኑር ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝስማዕ ዘሎ፡ ህዝቢ ዓፋር፡ ማሕበረ-ኤኮኖሚያዊ ጸገማት ይወርዶ ከምዘሎ ንዓለም ኣብንሕብረሉ ዝነበርና እዋን`ዩ ኢሎም።

ኣርዱፍ ዝተባህለ ዕጡቕ ውድብ፡ ነቶም ኤውሮጳውያን ቱሪስት ሒዝዎም ከምዘሎን ብሰለማዊ ድርድር ንከፈትሖም ድሉው ከምዘሎን ሓቢሩ`ዩ።

ንምሉእ ትሕዝቶ`ቲ መደብ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG