ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር 5.1 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ከባቢ ኣዋሽ ፈንታሌ ትማሊ ሰንበት 29 ታሕሳስ 2024 ምሸት 5.1 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ከምዘጋጠመ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ክፍሊ ጂኦፊሲክስን ህዋ ሳይንስን ኣስትሮኖሚን ኣፍሊጡ።

ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ’ቲ ከባቢ በቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ንብረት ጉድኣት ምስዓቡን በቲ ዝቐጸለ ተርእዮ ምንቅጥቃጥ መሬት ናብ ዝሓሸ ከባቢ ንምህዳም ከምዝተገደዱን ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ወርሓት መስከረምን ጥቅምቲን ብተደጋጋሚ ዝተራእየ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝሒሉ ድሕሪ ምጽናሕ ትማሊ ሰንበት ከም ሓድሽ ከምዝተራእየ ሰብ-ሞያ ይገልጹ።

ምንቅጥቃጥ መሬት ካብ ዘጋጠመሉ ከባቢ ነባሪ ከተማ ሳቡሬ ዝኾኑ ኖርሲ ሱክና ኣብቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ብዘጋጥም ዘሎ ምንቅጥቃጥ መሬን ንገዛእ ርእሶም ሓዊሱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ነበርቲ'ቲ ከባቢ ዝሓሸ ናብ ዝበልዎ ቦታ ምህዳሞም ገሊጾም ኣለው።

ንሶም ወሲኾም ኣብታ ከተማ ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲን ህንጻ ምምሕዳር መማህራን በቲ ምንቅጥቃት መሬት ምፍራሶም፡ ኣቐዲሙ ድማ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ'ታ ከተማ ብተመሳሳሊ ሓደጋ ምፍራሱ ሓቢሮም።

ካብ ወርሒ መስከረም ክሳብ ሕዳር ኣብቲ ከባቢ ብውሑዱ ኣስታት 15 ምንቅጥቃጥ መሬት ከምዘጋጠመን ኣብቲ ከባቢ ንናይ ምምሃር ምስትምሃር መስርሕ ምትዕንቃፉን ኣቐዲሙ ምጽብጻቡ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG