ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢሀወዴግ ንመኢኣድ ንምሕቓቕ ይሰርሕ ኣሎ ዝብል ክሲ ይቀርቦ'ሎ


ተላኣኣኽቲ ውድባት ንምፍጣር'ውን ውዲት ኣለዎ ይብል መኢኣድ

ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮዽያ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ኣካላት ተጠቂሙ ንመኢኣድ ንምክፍፋልን ተለጣፊ ውድብ ንምፍጣርን ይሰርሕ ኣሎ ክብል ከሲሱ።ሓደ ካብ‘ቶም ተኸሰስቲ ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ንመግለፂ መኢኣድ ነፂጉዎ።

ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮዽያ (መኢኣድ) ቅድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ቤት ፅሕፈቱ ኣብ ዝዘርገሖ መግለፂ፣ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ኣባላት መኢኣድ ምፍንቃልን ቅትለትን ይፍፅም‘ሎ ኢሉ ይኸስስ።

እቲ ፋምፍሌት ወሲኹ፣ኢህወደግ ኣብ‘ዚ እዋን ናብ መኢኣድ ልኡኻቱ ኣስሊኹ ብምእታውን ጉጅለ ብምፍጣርን ንመኢኣድ መቃቂሉን ኣዳኺሙን ናይ ባዕሉ ተለጣፊ ውድብ ንምፍጣር መዓልቲን ለይቲን ይንቀሳቀስ‘ሎ ይብል።

ኢህወደግ ነዞም ዝተጠቅሱ ክስታት ይፍፅም ዘሎ ብዝተፈላለዩ መንግስታዊ ኣካላት ተጠቂሙ‘ዩ ዝብል እቲ መግለፂ፣ሓደ ካብ‘ቶም ኣካላት ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ምኻኑ ይጠቅስ።

ከምኣብነት ይብል መኢኣድ፣ንዝጎደሉ ኣባላት ኣመራርሓ ንምትካእ ናይ ዝተመርፁ ሓደስቲ ኣባላት መንነት ነቲ ቦርድ ኣብ ዘፍለጠሉ እዋን፣ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ዝሃቦም መልሲ ንሕጊ ዝጣሓሰ‘ዩ ይብሉ ዋና ፀሓፊ መኢኣድ ኣቶ ተስፋዬ ታሪኩ።

”ዓንቀፅ ፴፩ ኣዋጅ ፖለቲካዊ ውድባት፣ትሕቲ ሓምሳ ሚእታዊ እንተኾይኑ፣ ናይ ኣባላት ፈፃሚት ስራሕ ቁፅሪ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣፍልጡ‘ዩ ዝብል።ንሕና ድማ ነቶም ንነብሶም ብድልየቶም ዘግለሉ ዝትክኡ እንተፍለጥና፣እቲ ቦርድ ተቀቢሉ ካብ ምፅዳቅ ሓሊፉ፣ነዚ ክትቅበል ነቲ ክተውፅእ ኣይትኽእልን ኢሉ መምርሒ ምውራድ፣ንነብሱ ልዕሊ ሕጊ ምግባር፣ኣብ ዘይጉዳዩ ጣልቃ ምእታው‘ዩ ኢልና ኢና ንገልፆ።በዚ ምኽንያት እዚ‘ዩ ጣልቃ ምእታው ቦርድ ምርጫ ንመኢኣድ ንምሕቃቅ ዝዓለመ‘ዩ ንዝብል ዘለና” ከምዝበሉ እቲ ዜና ይሕብር።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ ወሃቢት ቃል ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮዽያ የሺ ፈቃደ ኣብ ዝሃበኦ መልሲ፣እዚ ዝዝረበሉ ዘሎ ጣልቃ ምእታው ንቦርድ ምርጫ ዝተዋሃበ ስልጣን ምኻኑ ጠቂሰን።

ወ/ሮ የሺ ”ኣዋጅ ምዝገባ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ከምዝነፀሮ፣ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ንፖለቲካ ፓርቲታት ናይ ምምዝጋብ፣ምክትታል፣ምቁፅፃርን ምሕጋዝን ስልጣን ኣለዎ ይብል።ብመሰረት‘ዚ ኣባላት እቲ ፓርቲ ስለዘይዘይ ተሰማምዑ፣ንክረዳድኡ ንክሰማምዑ ፃዕሪ ገይሩ‘ዩ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ።
ግን ክረዳድኡ ኣይካኣሉን።ስለዚ ንሕና ዝበልናዮም እንታይ‘ዩ-እቲ ፓርቲ ቅድሚ ምብትታኑ፣ምልኣተ-ጉባኤ ይፀዋዕ፣ስለ ድሕነት‘ቲ ፓርቲ ተባሂሉ ኢና ኢልናዮም።ፓርቲታት ውሽጣዊ ምርግጋእ እንተሃልዩዎም‘ዩ፣ንካልእ‘ውን ክሓስቡ ዝኽእሉ” ኢለን።

ፕረዚደንት‘ቲ ፓርቲ ዶ/ር ሃይሉ ሻውል ብወገኖም፣እቲ ሃገራዊ ቦርድ ዝፃሓፎ ደብዳቤ ንሕጊ ዝጣሓሰ‘ዩ ኢሎም ይነቅፉ።

ንሶም ኣብ ዘረበኦም ”ሓደ ፓርቲ ናፃ እንተኾይኑ፣ንዝወፀ ኣባል ክትክእ ከሎ ፈቃድ ዝኾነ ኣካል ክሓትት የብሉን።ንማለቱ ኢልና ኢና ንገልፀሎም ዘለና‘ምበር ፈፂሙ ኣድላዪ ኣይነበረን።ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ብዘይርደአና ኣገባብ ደብዳቤ ፀሓፈ‘ምበር፣ሕጋዊ ስልጣን የብሉን” በሉ።

መኢኣድ ዘውፀኦ እቲ መግለፂ፣ገዛኢ ፓርቲ ንመኢኣድ ንምድኻምን ንምሕቃቅን ይጥቀመሎም ኣሎ ኢሉ ዝጠቀሶም ካልኦት መንግስታዊ ትካላት ሓይሊ ድሕነት፣ቤት-ፍርድን ፖሊስን ይርከብዎም ይብል መለስካቸው ኣምሃ ዝላኣኾ ሪፖርት።

XS
SM
MD
LG