ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓወምቲ ውድባት መኢኣድን ኦፌኮን ቀ/ሚንስትር ሃይለማርያም ብዛዕባ ዝተራእዩ ግጭታት ዝሃብዎ መግለጺ ወቒሶም


ፋይል
ፋይል

ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ትማሊ ሓሙስ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝሃቡዎም መልስታት ምስ ናይታ ሃገር ክውንነት ዝሰማማዕ ኣይኮነን ኢሎም ክልተ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ወቂሶም።

ኣባላት ኣመራርሓ ውድባት መላእ ሓድነት ኢትዮጵያን ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስን ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ርእይቶ ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማሪያም ካብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ኣብታ ሃገር ይርኣይ ንዘለው ዘይምርግጋእን ግጭታትን ዝሃቡዎም መልስታት ከምዝሕዘኖም ገሊፆም።

ፀሓፊን ሓላፊ ርክብ ህዝብን መኢኣድ ኣቶ ኣዳነ ጥላሁን ብወገኖም ከምዚ ኢሎም።

“ሕዚ እታ ሃገር ኣብ ማንታ መንገዲ እያ ትርከብ፤ኣብ ምፍራስን ኣብ ምቕፅልን።ኣብ ጉዳይ ሃገር የገድስኒ እዩ ዝብል ዝኾነ ይኹን ኢትዮጵያዊ ኣሳቲፉ፡ኢህወዴግ ናብ ሰላም ከምፅአና ይፅበ ነይረ።ንሶም ግን ነቲ ጉዳይ ኣቕሊሎም እዮም ርእዮምዎ።እቲ ዝገርም ብንግዲ ጫት፣ፀሊም ዕዳጋን ዶላርን ዝተለዓለ ገይሮም እዮም ርእዮሞ።”

ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ምኽትል ኣቦ መንበር ኣቶ ሙላቱ ገመቹ ብወገኖም ካብ ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ዝተረዳእኹዎ መንግስቲ ዓቕሚ ከምዘይብሉ እዩ ኢሎም።መንግስቲ ክወስዶ ኣለዎ ዝበሉዎ ድማ ከምዚ ክብሉ ይዛረቡ።

“በዚ መልክዕ ሕጊ ኣብዘይብሉ፣መንግስቲ ኣብዘይብሉ ሃገር ጉልበተኛታት ከምዚ ከምዝገብሩ እዩ ተራእዩ ዘሎ።ክቡር ቀዳማይ ሚንስትር ከምዚ ዓይነት ግብረ መልሲ ምቕራቦም መንግስቶም ዓቕሚ ከምዘይብሉ ብግልፂ ዘርኢ እዩ።”

ኣቶ ሙላቱ ገመቹ ብተወሳኺ ብሕገ መንግስቲ ኣብ እትመሓደር ሃገር ናይቲ ስርዓት ኣፈፀምቲ ኣካላት ክሰርሑ እንተድኣ ዘይክኢሎም፣ኣይክኣልኩን፣ካብ ዓቕመይ ንልዕሊ እዩ ክብሉ ነይሩዎም ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG