ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ንጹሃት ሰባት እናቐተልካ ዕድመ ስልጣን ንምንዋሕ ምፍታን ብሓዊ ምጽዋት’ዩ " ናይ መላእ ኢትዮጵያ ሓድነት ፓርቲን ሰማያዊ ፓርትን


ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ወልድያ ዕጡቓት መንግስቲ ፈጺሞሞ ንዝተባህለ “ግፍዓዊ ቅትለት” መኢኣድን ሰማያዊ ፓርቲን ኮኒኖም።

ነቲ ቅትለት ክፍጽሙ ትእዛዝ ዝሃቡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኾኑ ነቲ ጉዳይ ብሸለልታ ዝርአዩ ሰበ ስልጣን’ቲ ከባቢ ናብ ሕጊ ክቐርቡ እቶም ፓርቲታት ሓቲቶም ኣለው።

ሎሚ ረፍዲ ናይ መላእ ኢትዮጵያ ሓድነት ፓርቲን ሰማያዊ ፓርትን ብሓባር ንጹሃት ሰባት እናቐተልካ ዕድመ ስልጣን ንምንዋሕ ምፍታን ብሓዊ ምጽዋት’ዩ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኢትዮጵያ ሎሚ ደም ዜጋታታ ዝፈሰላ ህዝባ ዝመዛበለላ ሰሪሕካ ምንባር ዘይኸአለላ ምድሪ መኸራ ኾይና አላ ኢሎም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG