ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ዝተፈጥረ ግጭት ዘጻሪ ኮሚቴ ተቓወምቲ ፓርትታት ሪፖርቱ ኣቕሪቡ


ናይ ኢትዮጵያ ተቓወምቲ ፓርትታት ሓድነት መላእ ኢትዮጵያን ሰማያዊ ፓርትን ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ሶማልያን ዝተፈጥረ ግጭት ከፃሪ ዝለኣኽዎ ኮሚቴ ሪፖርቱ ኣቕሪቡ።ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ ኦሮሞ ከምዝተቐትሉን ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሎሚ እውን ሃለዋቶም ከምዘይፍልጥን እቲ ሪፖርት ይሕብር።

እቶም ፓርትታት ሎሚ ሓሙስ ነቲ ፀብፃብ ኣብ ዘቕረብሉ እዋን ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ መንግስቲ ንዜጋታቱ እኹል ሓለዋ ኣይገበረን ክብሉ ወቒሶም ኣለው ።

እቲ ፀብፃብ እቲ ግጭት ቅድም ክብል ከምዝተለዓለ ብምሕባር እቲ ኩነታት ዝበዓሰ ግን 2 መስከረም 2010 ዓ.ም. ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ ከተማ ኣወዳይ ሓደ በዓል ሶማልያዊ በዓል ሃብቲ ምስተቐትሉ ነዚ ስዒቡ ኣብ ውሽጢ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ተወለድቲ ኦሮሞ መንበሪ ገዛውቶም ናይ ምቅፃልን ንብረቶም ናይ ምውራርን መቕተልቲ ድሕሪ ምፍፃሙ ከምዝነበረ የዘኻኽር።ብግምት ልዕሊ 170 ዝኾኑ ተወለድቲ ኦሮሞ ካብ ከተማ ጂጂጋ ተወሲዶም ኣበይ ከምዝኣተው ከምዘይፍለጥ ኣብ ሓንቲ ብግምት ጓል 17 ዓመት መንእሰይ ዝተፈፀመ ግፍዒ ዘስካሕክሕ ምዃኑ ይሕብር።

እዚ ኹሉ ጥፍኣት ክወርድ ከሎ መንግስቲ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ እውን እተን ፓርቲታት ይኸሱ።እቲ መግለፂ ከምዝሕብሮ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣብ ክልል ሃረሪ መዕቖቢ ማእኸል ኣማሬሳ ዘተዓቖቡ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዜጋታት እኹል መግብን መፅለልን ፀገም ከምዘለዎም ይሕብር።ብፀገም መግብን ዝስተ ፅሩይ ማይን ህፃናት ንሕማም ውፅኣት ከምዝተቓልዑ ይገልፅ።

እቶም ፓርታት ንመንግስቲ ኸሲሶም ኣለው።ናይ መኢኣድ ዋና ፀሓፊ ኣቶ ኣዳነ ጥላሁን ከምዚ ይብሉ።

“መንግስቲ የመሓድሮ ናይ ዘሎ ህዝቢ ሰላምን ድሕነትን ናይ ምሕላው ሓላፍነት እናሃለዎ እዚ ዘይምፍፃሙ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኦሮሞ ወገናትና ንዝበፅሐ ሰብኣዊ ዕንወት ተሓታቲ ስለዝኾነ ጌግኡ ብግልፂ ኣሚኑ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ብዕሊ ይቕሬታ ክሓትት ኣጥቢቕና ንሓትት ኣለና።”

ስለምንታይ ብወገን ሶማልያ ዝበፅሐ ኣብቲ ሪፖርት ዘይተጠቐሰ ዝብል ናይቲ ኮሚቴ መራሒ ኣቶ ኣስናቀ ሸንገማ "ንሕና መጀመሪያ ዝኸድና ኣብ ኦሮሚያ ዝተፈጥረ ንምርኣይ እዩ፤ናብ ክልል ሶማልያ ናይ ምእታው ዕድል እውን ስለዘይነበረና እምበር ኣብ ልዕሊ ሶማልያ ሽግር ኣይበፅሐን ወይ ተወላዲ ሶማልያ ኣይሞተን ዝብል ደምዳም ኣብ ፀብፃብና ኣይቐረበን’’ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG