ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓዋምቲ ፓርቲታት ኢትዮጵያ ኢህወዴግ እሱራት ንምፍታሕን ንማእኸላዊ ንምዕጻውን ተለዋዋጢ መርገጺ ኣርእዩ’ዩ ክብሉ ነቒፎም


ኢህወዴግ እሱራት ንምፍታሕን ንማእኸላዊ ንምዕጻውን ኣብ ዝወሰዶ መርገጺ ምውልዋል ኣርእዩ’ዩ ክብሉ ተቓወምቲ ፓርቲታት ናይ መላእ ኢትዮጵያ ሓድነት ውድብን ሰማያዊ ፓርትን ነቒፎም።

ንእሱራት ፖለቲካ ብዘይ ቅድመ ኹነት ምፍታሕ ነታ ሃገር ካብቲ ዝአተወቶ መንቐራቕሮ ንምውጻእ ዝሕግዝ’ዩ ክብሉ’ውን ገሊጾም።

መንግስቲ ብወገኑ ኣብ ኢትዮጵያ ወላ ሓደ እሱር ፖለቲካ ኾነ ሕልና የለን ክብል ደጊሙ ገሊጹ።

ክልቲኦም ፓርቲታት ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብታ ሃገር ንዝረአ ቅልውላው ንምህዳእ ካብ ቃላት ዝሓለፈ ጭቡጥ ስጉምቲ ምውሳድ ጥራይ’ዩ ዝብል ኮይኑ ኢህወዴግ እሱራት ፖለቲካ ከምዘለው ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣሚኑ’ዩ ድሕሪ ምባል እታ ሃገር ናብ ቅልውላው ዝአተወት ብውልቀ መላኺ ምምሕዳር ኢህወዴግ’ዩ ኢሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

XS
SM
MD
LG