ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ዓድዋ ተጨውያ ደሃያ ተሳኢኑ ዝነበረት መንእሰይ ከምዝሞተት ፖሊስ ኣፍሊጡ


ኣብ ከተማ ዓድዋ ተጨውያ ደሃያ ተሳኢኑ ዝነበረት መንእሰይ ከምዝሞተት ፖሊስ ኣፍሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:21 0:00

ኣብ ከተማ ዓድዋ ተጨውያ ደሃያ ተሳኢኑ ዝነበረት መንእሰይ ከምዝሞተት ፖሊስ ኣፍሊጡ

ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ዓድዋ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ተጨውያ ዝነበረት መንእሰይ፣ ተቐቲላ ከምዝተረኽበት ፖሊስ ዞባ ማእኸል ትግራይ ገሊፁ፡፡

ሓላፊ ምፅራይ ገበን እቲ ዞባ ኮማንደር ፀጋይ ኣስፈሃ ጓል 16-ዓመት ማህሌት ተኽላይ ኣብ ዝተጨወየትሉ መዓልቲ ከምዝተቐተለት ካብ ተጠርጠርቲ ከምዘረጋገፀን ሎሚ ረቡዕ ድማ ሬሳ ንስድራ ከምዝተወሃበ ሓቢሮም፡፡

ኣቦኣ ኣይተ ተኽላይ ግርማይ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፣ ፖሊስ ግቡእ ክትትል ብዘይምግባሩ ዳሃይ ውላዶም ክረኽቡ ከምዘይኸአሉ ገሊፆም ነይሮም፡፡

ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ክህባ ዝተሓተታ ኣተሓባባሪት ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝሕለቕ ትካል 'ይኹኖ' ጽዴና ኣባዲ ነቲ ንድሕነት ደቂ ኣንስትዮ'ቲ ክልል ስግኣት ኮይኑ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ'ቲ ክልል ምስ ማሕበረሰብ ብምትሕብባር ክፈትሖ ጸዊዓን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG