ዓድዋ —
ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 129 ዓመት ዓወት ዓድዋ ኣብ’ታ ከተማ ሃገራዊ ቅድድም ሪሌ ማራቶን ተኻይዱ።
ኣብ’ቲ ውድድር ኣብ ዓለምለኸ መድረኻት ዝወዳደሩ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮንን ኣትሌታት ከምዝተሳተፉ'ውን ተሓቢሩ'ሎ።
ፕረዚደንት ፌደረሽን ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ኣትሌት ስለሺ ስህን እቲ ቅድድም ማራኺን ሓቢርካ ናይ ምውድዳርን መንፈስ ዝነበሮ፣ ኣብ ዓለም ነታ ሃገር ወኪሎም ዝወዳደሩ ዝተሳተፍሉን ኣብ ዓድዋ ንክካየድ ዝተደለየሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ንዓወት ዓድዋ ብድሙቅ ኣገባብ ንምኽባር ስለዝተደለየ እዩ ክብል ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ።
ኣብ’ቲ ቅድድም ማራቶን ሪሌይ ብደረጃ ጋንታ፣ ጋንታ ኤሌትሪክ ኢትዮጵያ ቐዳመይቲ፣ ከተማ ሸገር ካልኣይቲ፣ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ድማ ሳልሳይቲ ከምዝወጻ ተፈሊጡ ኣሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቅጥዒ