ኲናትን ዓወትን ዓድዋ ብደረጃ ሃገርን ኣህጉርን ጥራሕ ዘይኮነስ ብደረጃ ዓለም‘ውን ልዑል ስፍራ ኣለዎ፣ንናይ ፀለምቲ ምንቅስቃስ ነፃነትን ንታሪኽ ኢትዮዽያ‘ውን ዝወሰነ‘ዩ ይብል ኣቶ መድሃኔ ታደሰ።
ዳይረክተር ማእከል እዋናዊ ጉዳያት ቅልውላውን ፀጥታን ኣፍሪቃ ዝኾነ ሙሁር መድሃኔ ታደሰ፣ንነፃነት ብረብሓን ኪሳራን ለዊጥካን ተርጉምካን ምዝራብ ከቢድ‘ዩ፣ካብ ነፃነት ዝበለፀ የለን።ድሕሪ ኲናትን ዓወትን ዓድዋ ዝሳዓበ ውሽጣዊ ፖለቲካዊን ግዝኣታዊን ቅልውላው ምንጩ ውሽጣዊ‘ምበር እቲ ኲናትን ዓወትን ኣይኮነን ኢሉ።
ብዛዕባ ዓጋመን ተምቤንን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኣኽሱማዊ መንግስቲ ነይሩ‘ዶ ኣይነበረን ዝብል ኣብ‘ዚ ቀረባ ዝተቃለሐ ቃለ-ምልልስ ኣቶ ስብሓት ነጋ ክዛረብ ከሎ ድማ፣እቲ ሪኢቶ ብይመስለኒ ዝተሓፀረ ስለዝኾነ ዘእምን መርተዖ ምቅራብ ጥራሕ‘ዩ ዝኣክል።ኣብ ሞንጎ ከተማ ኣኽሱምን መንግስቲ ኣኽሱምን ምድንጋር ዘሎ ይመስል። ይትረፍ‘ዶ ዓጋመን ተምቤንን ሙሉእ ትግራይን ገለ ከባቢታት ደቡብ ኢትዮዽያን ክሳብ ሰገር ባሕሪ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኣኽሱም‘ዩ ነይሩ ይብል።
ዓጋመን ተምቤንን ጥራሕ ዘይኮነስ ሙሉእ ትግራይን ገለ ከባቢታት ኢትዮጵያን እውን ኣብ ትሕቲ ኣኽሱም'ዩ ነይሩ ይብል ንሱ