ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣሽሓት ሓረስቶት ኣምሓራ ብረት ኣሸኪሞም ናብ ዞባ ሞት የእትውዎም ኣለው' ክብሉ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሶም


Getachew Reda (Photo File)
Getachew Reda (Photo File)

ኣማኻሪ ፕሬዝዳንት ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ብቲዊተር ኣብ ዝዘርግሕዎ ተኸታታሊ መልእኽቲ ‘’ናይ ኣብይ ኣህመድ’’ ኢሎም ዝፀውዕዎ ሰራዊት ምክልኻል ብወሳኒ መልክዑ ብሰራዊት ትግራይ ካብ ‘’ዝስበር’’ ንድሓር ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ገባራት ኣምሓራ ብረት ኣዕጢቖም ናብ ናይ ሞት ቀጠናኣብ ምልኣኽ ይርከብ፤ብታንክን መድፍዕን ጠጠው ዘየበሎ ሓይሊ ብመስዋእትነት ሓረስታይ ጠጠው ክብል ዘይሕሰብ እዩ ኢሎም።

ንኣዴታት ትግራይ ንምቕታል ዝመፀ ዝበሉዎ ሓይሊ ብዘይምርሕረት ከም እንቐፅዕ ንፃት እውን ጥርጣረ ክህሉው የብሉን ኢሎም ኣቶ ጌታቸው ረዳ።ብፈኸራ ጠጠው ዝብል ወፍሪ ኣይጀመርናን ዝበሉ ኣቶ ጌታቸው ‘’ ብናይ ኣብይ እኩይ ተግባር’’ ኢሎም ዝፀውዕዎ ዕላማዝሕሎ ናይ ኣምሓራ ክብሪ የለን፤ናይ ሰብ ንብረት ብምዝራፍ ዝሕሎ ናይ ኣምሓራ ክብሪ የለን፤ንሓረስታይ ብምህላቕ ዝሕሎ ናይ ኣምሓራ ክብሪ የለን ኢሎም ኣቶ ጌታቸው።ፅልእና ምስ ህዝቢ ከይኮነስ ምስ’’ሸፋቱ’’ እዩ፤ንኣብይን ሸፋቱን ዘድሕን ምድራዊ ሓይሊ የለን ኢሎም ኣማኻሪ ፕሬዝዳንት ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ።

ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓረስታ ትግራይ ክሓርስን ንህዝቢ ትግራይ ናይ ፅሞና እዋን ወይ መሕሰቢ ግዜ ንምሃብን ሰራዊት ምክልኻሉ ካብ ክልል ትግራይ ኣውፂአ ምባሉ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG