ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካዊያን ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ኢትዮጵያ ንዘምፅእዋ ጓል 13 ዓመት ቀቲሎም ብዝብል ገበነኛታት ኮይኖም


Seattle
Seattle
ካብ ኢትዮጵያ ንኸዕብዩዋ ዘምፅእዋ ጓል 13 ዓመት ህይወታ ንዘስኣነ ዝብርቱዕ ዛሕሊ ኣሳጢሖምዋ ብዝብል ዝተኸሰሱ ኣሜሪካዊያን ወለዲ ገበነኛታት ተባሂሎም።ናይ ዋሽንግተን ክፍለ ግዝኣት ቤት ፍርዲ ትማሊ ኣብዝውዓሎ መጋባእያ እዩ ነቲ ውሳነ ዝሃበ።

እቶም ኣሜሪካዊያን ወለዲ ንሃና ዊሊያም ንኸዕብዩዋ ካብ ኢትዮጵያ ኣብ 2008 ኣ/ፈ ኣምፂኦምዋ።ኣብ ወርሒ ግንቦት 2011 ኣ/ፈ ኣብ ኣዚዩ ብርቱዕ ዛሕሊ /ኣርባዕተ ድግሪ ሴንትግሬድ/ ኣብ ደገ ምስ ምስኣፅንሕዋ ሃና ውንኣ ስሒታ ፍርቂ ለይቲ ተረኺባ።ፀኒሑ ድማ ብሓያል ቁሪ ብዝልዓል ሕማም ‘’ሃይፖተርሚያ’’ ሞይታ።

ናይ ሳጄት ከባቢ ቤት ፅሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ተወካሊ ሪች መይሪች ክልቲኦም ዓብዪ በደል ብምፋፃም ህይወት ኣጥፊኦም ብዝል ብቀዳማይ ደረጃ ኽሲ እዮም ተኸሲሶም ኢሎም።’’መዕበዪ ኣቡኣ ላሪ ዊሊያምስ ብኽልተ ኽስታት መዕበይት ኣዲኣ ካሪ ዊሊያምስ ድማ ብሰለስተ ኽስታት በደለኛ ተባሂላ’ላ።

ኣዲኣ ብምቕታል ገበን ኣቡኣ ድማ ብጌጋ ሰብ ብምቕታል ቀዳማይ ደረጃ ገበን ክፍረዶም እዩ።
‘’ክኸውን ዘይነበሮ ፍፃመ ግን ድማ ከምፅቡቕ ዕድል በቶም ኽስታት ረቲዕና ተሓተቲ ክኾኖ ገይርናዮም ኣለና’’ ኢሎም ወይሪች።
XS
SM
MD
LG