ዋሽንግተን —
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ብሰንኪ ሓደ ደርፊ ብጉጅለን ብብሄርን ጎንጺ ተላዒሉ ህይወት ሓደ ሰብ ከምዝጠፍአ ተማሃሮን ሰበ ስልጣናትን ኣፍሊጦም።
በቲ ግጭት ድማ ንትምህርቲ ካብ ምዕራብ ጎጃም ዝኸደ ተማሃራይ ህይወቱ ከምዝጠፍአ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኼሽን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ኣፍሊጦም ኣለው።
ንዕኡ ስዒቡ ድማ ኣብ ወልድያ፡ጎንደርን ኣምቦን ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲታት ተቓውሞ የስምዑ ከምዘለው ተገሊጹ።
ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት’ውን ብወገኖም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዘካየዱ ተፈሊጡ’ሎ።
ወሃቢ ቃል ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት እቲ ኩነታት ተረጋጊኡ ምክንያት ጎንጺ’ዮም ዝተባህሉ ተታሒዞም አለው ኢሉ’ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።