ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘይሕጋዊ ዝተባሃሉ ኣባዪቲ ዓዲግራት-ትግራይ ብምምሕዳር'ታ ከተማ ይፈርሱ'ለዉ


ግዳያት ግና ኣዝዮም ይቃወሙዎ

ኣብ ዓዲግራት ትግራይ ገለ ነበርቲ ምምሕዳር'ቲ ከተማ ንዝደኮናዮ ኣባዪትና ብዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ የፍርሰልና'ሎ ኢሎም ከማርሩ ከለው ምምሕዳር ዓዲግራት ድማ ንማስተር ፕላን'ታ ከተማ ዝፅይቕ ብዘይ ፈቓድ ዝተሃንፁ'ምበር ካልኦት ኣባዪቲ ኣይተተንከፉን ይብል።እቲ ምምሕዳር ወሲኹ እቲ ስጉምቲ ቀፃላይ ምኻኑ ይገልፅ።

ካብ'ቶም መንበሪኦም ንክፈርስ ዝተኣዘዙ ነባራይ'ታ ከተማ ሓደ ክዛረቡ ከለው፡ቤተይ ካብ ኣፀይ ሃ/ስላሰ ጀሚሩ ዝተዋሃበኒ ገዛ'ዩ፡ ፍልሖ ስለሸገረኒ ቆርቆሮ ንክኸድን ዝወስውኽዋ ባንዴሳይ ክተፍርሳ ኣለካ ኢሎምኒ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG