ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዓዲግራት ንውሳነ ኢህወዴግ ዝቃወም ሰልፊ ውዒሉ


ሰልፊ ተቃውሞ ኣብ ዓዲግራት
ሰልፊ ተቃውሞ ኣብ ዓዲግራት

ኣሻሓት ተወለድቲ ዓዲ ኢሮብን ነበርቲ ዓዲግራትን፣ ነቲ ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ግንባር ኢትዮጵያ (ኢህወዴግ) ንውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮምሽን ዶብን ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ ሎሚ ሓሙስ ብሰልፊ ተቓዊሞም።

ንህዝቢ ዘየማኸረ ውሳነ ተቐባልነት መታን ከይረክብ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ዓለም ለኻዊ ትካላት ከምዝገልጹ’ውን ሓቢሮም። ንሰልፊ ዓዲግራት ካብ ሞንጎ ዘዳለው ሓደ ኣቶ ካሕሳይ ‘ኣብ ክልላት ከይወረደ፣ ናብ ቤት ምኽሪ ከይቀረበ፣ ኣብ ህዝቢ ከይወረደ፣ ኣብ ኣዲሳበባ ኮይኖም ሙሉእ ንሙሉእ ተቐቢልና ኣለና ዝብል ውሳነ ኮኒና ኣለና’ ኢሎም።

ኣቶ ካሕሳይ ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ ህዝቢ ነቲ ውሳነ ይቃወሞ ከምዘሎ ፈሊጡ ናብ ፓርላማ ኣቕሪቡ ንከየጽድቖ ንምሕታት’ዩ ዕላማና’ ኢሎም።

ካብ ካቶሊካዊ ቤተክርስትያን ኣባ ሓጎስ ዝተባሃሉ ብወገኖም ‘ከምዚ ዝዓይነቱ ራዕዲ ዘለዎ ውሳነ ምውሳን ናይ ህወሓትና ኣመል ኣይኮነን፣ ናይ ትግራይና ኣመል ኣይኮነን፣ ካበይ ከምዝመጸ ንጹር ኣይኮነልናን። ይቕረታ ክንሕተት’ዩ ዝግባኣና’ ኢሎም ኣለው።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:08 0:00

XS
SM
MD
LG