ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሌነል ደመቀ ዘውዱ ዝርከቦም 10 እሱራት ተፈቲሖም


ኮሌነል ደመቀ ዘውዱ
ኮሌነል ደመቀ ዘውዱ

ምስ ሕቶ መንነት ወልቃይት ብዝተሓሐዘ ተኣሲሮም ካብ መንጎ ዝነበሩ ኮሎኔል ደመቀ ዘውዱን ዝርከቦም 10 እሱራትን ሎሚ ተፈቲሖም።

ኣብ ከተማ ጎንደር ቅድሚ ሎሚ ምስ ዝነበረ ህውከት ብዝተተሓሐዘ ተኸሲሶም ካብ መንጎ ዝነበሩ 35 ሰባት ናይቶም 32 ክሲ ክቋረፅ ተገይሩ’ሎ ክብሉ ጠበቕኦም ገሊፆም።

ብኻልእ ዜና ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ናይ ሰለስተ መዓልታት ንግድን መጎዓዚያን ደው ናይ ምባል ኣድማ ሎሚ ጀሚሩ ክብሉ ነበርቲ ገሊፆም።

ኮሌነል ደመቀ ዘውዱ ሎሚ ኣማስይኦም ተፈቲሖም ናብ ገዝኦም ኣብ ዘምርሕሉ እዋን ድሙቅ ኣቀባብላ ከምዝተገብረሎም ሓደ ካብ ቤተሰቦም ገሊጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኮሌነል ደመቀ ዘውዱ ዝርከቦም 10 እሱራት ተፈቲሖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:28 0:00

XS
SM
MD
LG