ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተወሰኽቲ ዲሞክራት ፕረ. ባይደን ካብ ሕጹይነት ፕረዚደንት ክእለዩ ይጽውዑ


ፕረዚደንት ባይደን
ፕረዚደንት ባይደን

ትማሊ ሓሙስ አካላዊን ፖለቲካዊን ተነጽሎ ገጢሙዎም ዝዋዓሉ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፣ አብ ወሳኒ እዋን ወፍሪ ንዝሓዞም ኮቪድ 19 እናኣለዩ ኣብ ዝዋዓልሉ ጊዜ ተወሰኽቲ ዴሞክራሲያዊያን ‘ሕጹይ አይትኹን ይትረፍካ’ ይብሎዎም ኣለው።

ሪፐብሊካዊያን ኣብ’ቲ ሎምቅነ የሳልጥዎ ዘሎ ጉባኤ ንሓድነትን ደገፍ ንሕጹዮም ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ይጽውዑ ኣለው። ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ግና እቲ ኩነትታት ተነጽሎ ኮይንዎም ኣሎ። ቫይረስ ኮረና ድሕሪ ምልካፎም፣ ንሶም ኣብ’ቲ ኣብ ዴላወር ዘሎ መንበሪኦም ይርከቡ።

እዚ ድማ ምስ’ቲ ገለ ኣባላት ዴሞፕክራሲያዊ ፓርቲ ካብ ሕጹይነት ፕረዚደንት ውረድ ዝብል ጻውዒት ኣብ ዘቕርብሉ ዘለው'ዩ። ተንተንቲ ብወገኖም ‘ንፕረዚደንት ባይደን ጽልግልግ ዝበለ ጊዜ’ዩ ክብሉ ይገልጽዎ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG