ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣንፃር HIV/AIDS ብዝተገበረ ፃዕሪ ውፅኢት ምምዝጋቡ ተገሊፁ


ኣብ ኣፍሪካ ንHIV/AIDS ንምክልኻል ዝተገብረፁ ምንቅስቓሳት ዝለዓለ ውፅኢት ምምዝጋቦ ዋና ዳይረክተር ትካል ኤዲስ ሕቡራት መንግስታት ገሊፆም።ኣብ ኤዲስን ብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፉን ሕማማት ዘተኮረ ዓለምለኸ ጉባኤ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንትኽፈት ዝተዛረቡ እቶም ዋና ዳይረክተ ሚሼል ስድቤ ንዝተረኸቡ ውፅኢታት ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንት ንዝነበሩ ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ክምስገኑ ከምዘለዎም እውን ገሊፆም።

ሕማም HIV/AIDS ከም ሓዱሽ ሕማም ካብዝፍለጥ ቅድሚ 30 ዓመታት ጀሚሩ ኣፍሪካ 24 ሚሊዮን ዜጋታት በቲ ሕማም ስኢና እያ።ብኤዲስን ብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ኣብ ኣፍሪካ ዝብል ዓለምለኸ ጉባኤ ወይ ICASA ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንትኽፈት እዞም ፈተናታት ኣብምምካት ዝተገብሩ ፃዕርታትን ዝተረኸቡ ውፃኢታትን ተዘሪቡሉ።

ዋና ዳይረክተር ትካል ኤዲስ ሕቡራት መንግስታት ሚሼል ሲዲቤ ከምዝበልዎ ብፍላይ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ንHIV/AIDS ብምክልኻል ዝለዓለ ውፅኢት ዝተርአየሎም እዮም ኢሎም።

ስድቤ ከምዚ ኢሎም ኣለው።’’ ኣብ ኣፍሪካ ንእነካይዶ ናይ ምክልኻል ፃዕሪ ከምዘይሰርሕ ይነግሩና ከምዝነበሩ ምዝካር የድልየና።ሎሚ ግን እዞም ሰባት እዚኦም ምግጋዮም ኣረጋጊፅኩም ኣለኹም።ሎሚ ልዕሊ 6.8 ሚሊዮን ዝኾኑ ሰባት እቲ ሕክምና እናተኸታተሉ እዮም። ‘’

እቶም ዋና ዳይረክተር ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ዝተኸፈተ ጉባኤ ንዝተረኸቡ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ጆርጅ ቡሽን ብዝተመዝገበ ውፅኢት ኣመስጊኖምዎም።ምሕካም ከምዝክኣል ኩሉ ኣብዘይኣመነሉ እዋን ናይ ህፁፅ እዋን ናይ ኤዲስ ፕሮግራም ረድኤት ብምሕንፃፅ ንዝወሰንዎ ውሳነ ንፕሬዝዳንት ቡሽ ክነምስግኖም ይግባእ ኢሎም።

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ን HIV/AIDS ንምክልኻል ከም መርአያ ይቑፀራ ዝነበራ ክልተ ሃገራት ዩጋንዳን ሴኔጋልን ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይቲ ቫይረስ ምስፍሕፋሕ ኣብዘለዎ ጠጠው ንኽብል ዝገበራ 32 ናይ ኣፍሪካ ሃገራት ከምዘለዋ እቶም ዋና ዳይረክተር ሓቢሮም።

ኣብቲ ጉባኤ መደረ ዘስምዑ ናይ ቀደም ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ቡሽ ናይ ህፁፅ እዋን ናይ ኤዲስ ፕሮግራም ረድኤት ፔፕፋር ዝተመስረተሉ ከይዲ ኣረዲኦም።ሎሚ ካብ 30 ሃገራት ንላዕሊ ንዝርከቡ ፕሮግራማት ፀረ ኤዲስ ከምዝሕግዝን ሳላ ናይ ኣሜሪካ ሓገዝን ናይ ኣጋራትን ጠንካራ ፃዕርታት ኣብዝሓለፉ 10 ዓመታት ልዕሊ 450 ሽሕ ህፃናት ካብ HIV ነፃ ኾይኖም ተወሊዶም ኣለው’ውን ኢሎም።

ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣብዝሓለፉ ዓመታት ኣፍሪካ ንኤዲስ ንምውጋእ ብመንፅር ዝሃበቶም ምላሽ ኣብ ኩሎም ግንባራት ጭቡጥ ውፅኢታት ተረኺቦም ኣለው ኢሎም።ብምቕፃል እቲ ቫይረስ ካብ ኣደ ናብ ቆልዓ ንኸይመሓላለፍ ብዝግባእ ንምክልኻል ምኽኣሉ ሎሚ ክዕወት ዝኽእል ዕላማ እዩ።ብሚሊዮን ዝቑፀሩ ኣፍሪካዊያን ናይ ፀረ HIV መድሓኒት እናስረኸቡ እዮም ኢሎም።

ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ኣብዘረብኦም ንናይ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንት ናይ ህፁፅ ሓገዝ ናይ ኤዲስ ፕሮግራም ፔፕፋር ተጋብራዊነት ኣብ ናይትማሊ መኽፈቲ ጉባኤ ንዝትረኸቡ ጆርጅ ቡሽ ኣመስጊኖምዎም።ፕሬዝዳንት ቡሽ ንዝሃብዎ ኣመራርሓ’ውን ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ሽልማት ኣበርኪቶምሎም።

XS
SM
MD
LG