ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳናውያን እንደገና ተደናጒዩ


ተሳተፍቲ‘ቲ ልዝብ
ተሳተፍቲ‘ቲ ልዝብ
ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን፣መን‘ዩ ኣብ‘ቲ መኣዲ ልዝብ ክሳተፍ ዝግባእ? ብዝብል ምስሕሓብ ተደናጉዩ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣እቶም ውግእ ድሕሪ ምውልዑ ኣሲሩ ዝፈተሖም ኣርባዕተ ፖለቲካዊ ተቃወምቱ ሳልሳይ ኣካል ኮይኖም ዝሳተፉ ኮይኖም፣ኣብ‘ቲ መኣዲ ልዝብ የለኹሉን ዝብል ንፁር መርገፂ ሒዙ‘ሎ።

ምንስትር ገንዘብን ተኣሲሮም ዝነበሩን ዴንግ ኣሉር ብወገኖም፣ብዘይ ተሳትፎ እዞም ተኣሲሮም ዝተፈትሑ ኣባላት ገዛኢ ፓርቲ ነበር፣ሰላምን ነባራይ ፍታሕን ኣይክርከብን ባሃላይ‘ዮም።

ሚስተር ዴንግ ኣሎር ወሲኾም ”እቲ ምስሕሓብ ኣብ ፖለቲካዊ ቢሮ‘ዩ ተበጊሱ።ኣባና‘ዩ ተጀሚሩ።እቲ ፓርቲ ብዝስዕቦ ጉዳይ ተሃድሶን ዴሞክራስን ኣፈላላይ ተፈጢሩ።ተሃድሶ ክትግበር ኣለዎ ኢልና” ኢሎም።

ዓቅሉ ይፅንቀቅ ዘሎ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብወገኑ፣ኩሎም ወገናት ናብ ፍታሕ ብግስ እንተዘይኢሎም ሳዕቤኑ ሓያል‘ዩ ኢሎም ኣጠንቂቆም‘ለው።

”ዝኾና ኣካል ንመስርሕ ሰላምን ፃዕሪ ኢጋድን ዘናኣእስ እንተኾይኑ ሕማቅ ሳዕቤን ከምፀአሎም‘ዩ።ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ለውጢ ይፅበ‘ሎ።ነገራት ከምዝነበርዎ ክቅፅሉ ኣይኽእሉን” ኢሎም ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ንጉዳይ ደቡብ ሱዳን ዶናልድ ቡዝ።

ቀንዲ ተላዛባይ ተቃወምቲ ጀነራል ጣባን ዴንግ ጋይ፣ከምፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ኣይኮናን ”ኣብ ሰደቃ ሰላም ምስ ዝቀረበ ክንላዘብ ኢና።በይኑ ምስ መንግስቲ፣ምስ ፖለቲካዊ መራሕቲ ብዘየግድስ ክንላዘብ ንኽእል ኢና። መንግስቲ ግና ክልቴና ጥራሕ ንላዘብ‘ዩ ዝብል ዘሎ“ ኢሎም።

ወከልቲ ሲቪካዊ ማሕበራት‘ውን ኣብ‘ቲ ልዝብ ክሳተፉ ናብ ኣዲሳበባ ኣትዮም‘ለው።ንማሕበር ደቂ-ኣነስትዮ ዝወከለት ሎና ጀምስ፣ህዝቢ በቲ ኲናት ይሳቀ‘ዩ ዘሎ፣ድምፁ ክስማዕ ኣለዎ ኢላ።

ወሲኻ “ኢጋድ ንሲቪካዊ ማሕበራት ናብ‘ቲ ልዝብ ክሓውስን ድምፂ ክሰምዕን ንፅውዕ ኣለና።ስለዚ በጀት ክንረክብን ኣብ‘ቲ መኣዲ ልዝብ ክንሕወስን ክፅዕር ንላበው ኣለና” ትብል ንሳ።

ኢጋድ ብዛዕባ‘ቲ ምድንጓይ ልዝብ ሰላም፣ክሳብ‘ዚ ሪፖርት‘ዚ ዝተላኣኸሉ ሰዓት ተወሳኺ መብርሂ ኣይሃበን ዘሎ ትብል ኣቀባሊትና ማርታ ቫንዴር ውልፍ።
XS
SM
MD
LG