ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከፈልቲ ግብሪ አዲስ አበባ: ግምት እቶት ትርፍን ክሳራን ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን ክብሉ ኣማሪሮም


ናይ 2009 ዓ/ም ግምት መዓልታዊ እቶት ትርፍን ኪሳራን ኣብ ግምት ዘየእተወን ዝተጋነነን እዩ ክብሉ ከፈልቲ ግብሪ ኣዲስ ኣበባ ኣማሪሮም።በዓል ስልጣን እቶትን ግምሩክን ብወገኑ ዝተጋነነ ግምት እንተድኣ ሃሊዩ ክዕረ እዩ ኢሉ’ሎ።

ኣብ ስራሓት ንግዲ ባኒ ዝተዋፈረት ኣሰገደች ኣለሙ ዝተባህለት ነባሪት ከባቢ ኡራኤል አዲስ አበባ ናይ ባዕላ መሰንኸቲ ባኒ ስለዘይብላ ካብ ካልኦት እናዓደገት ትሸይጥ ከምዚ ዝበለ ግምት መዓልታዊ እቶት ሪእየ ኣይፈልጥን ትብል።ትርፋን ኪሳርኣን ብግልፂ ዝፍለጥ’ኳ እንተኾነ ግምት መንግስቲ ግን ነቲ ሓቂ ኣየንፀባርቑን ትብል።

“ኣብ መዓልቲ 300 ባኒ የምፁኡለይ፤390 ብር እየ ዝሸጦ።ኣብ መዓልቲ 45 ብር እየ ዘትርፍ፤እቲ 345 ድማ ናይቶም ሰብ ባኒ እዩ።ብሽኮትን ቦምቦሊኖን እውን ይሸይጥ እየ፡እቶም ገመቲ ኣብ መዓልቲ 2,000 ብር ከም ዝረክብ ገይሮም እዮም ገሚቶምዎ።ኣብ ዓመት ልዕሊ 26 ሽሕ ብር ክኸፍል ተገይሩ ተገሚቱ አሎ።”

ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ኣብ ነአሽቱ ስራሓት ንግዲ ዝተዋፈሩ ካልኦት ሰባት እውን ተመሳሳሊ መረረት ብምስማዕ መንግስቲ ጥርዓኖም ክፈትሓሎም ፀዊዖም።

ኣብ በዓል ስልጣን እቶትን ግምሩክን ናይ ኣዲስ ኣበባ ምኽትል ዋና ዳይረክተር ፕሮግራም ኣብ ዓውዲ ግብርን ስራሓት ልምዓትን ወ/ሮ ነፃነት ኣበራ ቀንዲ ምንጪ ቅሬታ ኣብ መዓልታዊ ግምት እቶትን ካብቲ ግምት ዝኽፈል ግብርን ታክስን ሓዋዊስካ ናይ ምርኣይ ፀገም እዩ ኢለን።

ብግምት ስለዝስራሕ ብዝተጋነኑ ግምታት መዓልታዊ እቶት ዝተበደሉ ነጋዶ ክህልው ይኽእሉ እዮም፤ ጉዳዮም ንእእዮ ኣለና ኢለን።

“ጥርዓናት እናተቐበልና ኣብ ምርኣይን ንርከብ።ካብ በብወረድኡ ዝተምልኡ ቅጥዒታት እናኣከብና ኢና ዘለና።”

እቲ ገማቲ ኮሚቴ ካብ ዓውዲ እቶት፣ንግድን ፋይናንስን ዝተዋፅአ ኮሚቴ ምዃኑ ዝገለፃ ወ/ሮ ነፃነት ንኣባላት እቲ ኮሚቴ ዝርዝር ስልጠና ከምዝተውሃቦም እውን ሓቢረን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG