ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሽሓት ሰባት ዝተረኸብሉ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ


ናይ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሃይማኖት ትካላት ጉብኤ ዝፀውዖ ሰላማዊ ሰልፊ ብዙሕ ኣሽሓት ህዝቢ ኣብዝተረኸብሉ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።ፖለቲካዊ ኸስቢ ንምርካብ ምስ ኣኽራርነት ተሓባቢሮም ንዝተብሃሉ ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ካብ ተግባሮም ንኽዕቀቡ መተሓሳሰቢ ተዋሂቡ’ሎ።መናእሰይ እውን መሳርሒ ደለይቲ ስልጣን ንከይኾኑ ፃውዒት ቐሪቡሎም።

ብኣሽሓት ዝቑፀር ህዝቢ ዝተሳተፈሉ ናይ ትማሊ ሰንበት ናይ መስቀል ኣደባባይ ሰላማዊ ሰልፊ ቀንዲ ዕላማ ናይ ሃይማኖት ኣኻራርነትን ፅንፈኝነትን ኣብ ኢትዮጵያ ከብፅሖ ዝኽእል ተፅንዕኖ ኣብ ግምት ብምእታው መንግስትን ህዝብን እኹል ጠመቱ ክህቡሉ ንምግንዛብ እዩ ኢሎም ነቲ ሰልፊ ናይ ዘዳለወ ናይ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሃይማኖት ትካላት ጉባኤ ተወካሊ ርእሰ-ደብሪ በሪሁን ኣርአያ።

ኣብ ኢትይጵያ ዝፀንሐ ባህሊ ምትሕብባርን ምክእኣልን ሃይማኖት መርኣያ መደረኽ ከምዝኾነን እዚ ሰናይ ባህላዊ እሴት ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ተሓሊዩ ንኽምሓላለፍ ምግንዛብ እውን ካልኢ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዕላማ እዩ ኢሎም ብምውሳኽ ርእሰ-ደብሪ በሪሁን።

ገለ ናይ ቀረባን ርሑቕን ፀላእቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ዝርከቡ ተኹላ ዝበሉዎም ብምዃን ብሽፋን ሃይማኖት ናይታ ሃገር ናይ ዕብየት ገስጋስ ንምዕጋት ዝኣልሙ ኣለው ዝበሉ ካሊእ ተወካሊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኣዲስ ኣበባ ዶ/ር ኣሕመድ ኣብዱራሕማን ሽርሖም ብርብርብ ክፈሽል እዩ ኢሎም።

ንመናእሰይ እውን ከምዚ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።’’ናይ ባዕሎም ጉዳይ ብኣኹም ኣቢሎም ንምፍፃም ንዝደልዩ ብፍላይ ድማ ብዝኾነ ይኹን ኣገባብ ስልጣን ክጭብጡ ንዝደልዩ ብጥንቃቐ ንኽትሪኡዎም እምዕደኩም ኣለኹ።’’

ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ድሪባ ኩማ ብወገኖም ሎሚ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርአ ዘሎ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝተፈጠረ ዘይምክእኣልን ኣኽርርነትን ናብ ኢትዮጵያ ንምእታው ዝፅዕሩ ዝበልዎም ናይ ውሽጥን ወፃእን ሓይልታት ኣለው ኢሎም።

ናይቲ ህዝቢ ሰላምን ደሕንነትን ከምኡ’ውን ዝተጀመረ ጉዕዞ ህዳሴ ንክቕፅል መንግስቲ ምስ ህዝቢ ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ እዞም ሓይልታት ስጉምቲ ክወስድ እዩ ኢሎም።
ትርፊ ንምርካብ ምስ ኣኽራርነትን ፅንፈኝነትን ይሰርሑ ኣለው ንዝበሉዎም ናይ ፖለቲካ ሓይልታት እውን መተሓሳሰቢ ሂቦም።

ኣኽረርቲ ዝገብርዎ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ኣብ ህዝቢ ዘስዕቦ ሓደጋ እናተፈለጠ ሓላፍነት ብዝጎደሎ ኣገባብ ገለ ናይ ፖለቲካ ትርፊ ንምርካብ ንኣኽረርቲ ንምድጋፍ ብዝተፈላልየ መንገዲ ዝንቀሳቐሱ ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ካብ ተግባሮም ንኽዕቀቡ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ካብዚ ብዝተፈለየ ይስማዕ ዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ሙስሊም ማሕብረተሰብ ድምፂ ግን መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖትና ጣልቃ ብምእታው ኣሕበሽ ዝተብሃለ ኣስተምህሮ ንኽንቕበል ኣገዲዱና ዝብል እዩ።

ነቲ ሰልፊ ዘዋደደ ጉብኤ ትካላት ሃይማኖት ነቲ ሰልፊ ንምውዳድን ንምድላውን ዝለዓለ ናይ መንግስቲ ሓገዝ ከምዝረኸበ እውን ተፈሊጡ’ሎ።
XS
SM
MD
LG