ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባቡር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ስርሑ ጀሚሩ


ባቡር ኣዲስ ኣበባ
ባቡር ኣዲስ ኣበባ

ኣዲስ ኣበባ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ ግዜ ተጠቃሚት መንገዲ ባቡር ኮይናላ።ኣብታ ከተማ ብኽልተ ኣንፈት ካብ ዝተኣንፀ ናይ 34 ኪሎ ሜትር ንውሓት መንገዲ ትማሊ ዝጀመረ እቲ ናይ 17 ኪሎ ሜትር መስመር እዩ።ንዘመናዊነት እታ ከተማን ፀገም ትራንስፖር ንምቕራፍን ዝሕግዝ እዩ ኢሎም ኣለው ሪኢቶ ዝሃቡ ነበርቲ።ናይታ ሃገር ቤት ምኽሪ ምንስትራት ደሕንነት ኣገልግሎት ባቡር ዝምልከት ሕጊ ኣውፂኡሎ።

ትማሊ ሰንበት ኣገልግሎት ዝጀመረ ካብ ቃልቲ ተላዒሉ፣ብኣደባባይ መስቀል ገይሩ፣ብመርካቶ ሓሊፉ ኣብ ኣደባባይ ዳግማይ ምንሊክ ዝበፅሕ እዩ።ኣብቲ ስነስርዓት ዝተረኽቡ ኣጋይሽን ነበርቲ ከተማን ኣዲስ ኣበባ ኣስታዲዮም ካብ ዝርከብ ጣቢያ ተሳፊሮም ተመላሊሶም ኣለው።

እቲ ኣግልግሎት ምጅማሩ ዝለዓለ ታሕጓስ ከምዝፈጠረሎም ተጠቀምቲ ገሊፆም ኣለው።ነታ ከተማን ነበርታን ዘለዎ ረብሓ እውን ዝዓብየ እዩ ይብሉ።ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝኾኑ ኣቶ ለማ ዳኜ ንናይ ኣዲስ ኣበባ ዘመናዊነት ዘምፅአላ ይመስለኒ ኢሎም።ከመይ እንተኢልካኒ ቅድሚ ሎሚ ከምዚ ዝበለ ዓይነት መጎዓዚያ ተጠቒምና ስለዘይንፈልጥ። ምጅማሩ ዓብዪ ተስፋ ዝህብ እዩ።ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዓብዪ ፀገም መጎዓዚያ ዘለዋ ከተማ ከም ምዃና እቲ ፀገም ብዝተወሰነ እውን እንተኾነ ክቕረፍ ይእኽል እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ ኢሉ።

ኣብ ስራሕቲ ህንፀት ዝተዋፈሩ ኣቶ እሸቱ ኣሰሜ ብወገኖም ምጅማር ኣገልግሎት ባቡር ንናይታ ከተማ ዓብዪ ፀገም መጎዓዚያ እዋናዊ ምላሽ ዝሃበ እዩ ኢሎም።

ካብ ህንፀት ጀሚሩ ዓለምልኸ መዐቀኒ ዘማልእ ምዃኑ ዝገለፁ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖረሽን መንገዲ ባቡር ኢትዮጵያ / ጌታቸው በትሩ እቲ ህንፀት 31 ጥሪ 2014 / ከምዝተዛዘመ ብምሕባር ‘’ካብኡ ጀሚር ክሳብ ሎሚ ክንሰርሖ ዝፀናሕና ጉዳይ ድሕነት እቲ መንገዲ ባቡር ምርግጋፅ እዩ።ብዓለምለኸ ደረጃ ብሉፅ ዝብሃል ኣሰራርሓ ኢና ክንሰርሕ ፀኒሕና’’ኢሎም።

ዋጋ ኣገልግሎት ከከም ርሕቐቱ ካብ ክልተ ብር ክሳብ ሽዱሽተ ብር ዝበፅሕ እንትኸውን ካብ ፈላሞት ተጠቀምቲ ፍትሓዊ እዩ ኢሎምዎ ኣለው።ዝርዝሩ ይስምዑ።

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:06 0:00

XS
SM
MD
LG