ትማሊ ፈተነ ዝጀመረ ባቡር ኣዲሳበባ ካብ’ቲ 34 ኪ/ሜ ዝንውሓቱ መንገዲ ባቡር ካብ ቃሊቲ ዝብገስ መስመር’ዩ።
ኣርባዕተ ባቡራት ንቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ካልኦት ሰበ-ስልጣንን ዕድመ ዝተገበረሎምን ኣጋይሽ ኣሳፊረን ክሳብ ኣደባባይ መስቀል ኣብፂሐን ኣለዋ። እንተኾነ ስሩዕ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ክሳብ ዝቅፅላ ሰለስተ ኣዋርሕ ከምዘይጅምር ቀ/ሚ ሃይለማርያም ኣብ’ቲ እዋን ጠቂሶም፡-
እቲ ኣብ ምዝዛም ዝርከብ ኣገልግሎት ባቡር ኣዲሳበባ ልዕሊ 475 ሚልዮን ዶላር ወፃኢ ከምዝተገበረሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።