ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ኣንዋር መስጊድ ንኻልኣይ ጊዜ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ተኻይዱ


ከተማ ኣዲስ ኣበባ
ከተማ ኣዲስ ኣበባ

ምፍራስ መሳጊድ ብምቅዋም ኣብ ኣንዋር መስጊድን ከባቢኡ ሎሚ ዓርቢ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ምክያዱን ህይወት ሰብ ምጥፍኡን መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም።

ብምምሕዳር ከተማ ሸገር ንዝተካየዱ ምፍራስ መሳጊድ ብምቅዋም ሎሚ ዓርቢ 2 ሰነ 2023 ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ተካይዱ።

ኣብቲ ኣብ ከባቢ ኣንዋር መስጊድ ዝነበረ ሰልፊ ስዒቡ ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሮም ዝነበሩ ሓይልታት ጸጥታ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ኣብ ህይወት ሰብን ንብረትን ጉድኣት ምስዓቡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም፤ ብመሰረት ሓበሬታ እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ህይወት ሓደ ሰብ ምሕላፉ ሓቢሮም ኣለው።

ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሓይልታት ጸጥታ ጠያይቲን ዘንብዕ ጋዝን ምትዃሶም ዝገለጹ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ክልተ መሰኻኽር ዓይኒ ክሳብ እዚ ዜና ዝተዳለወሉ ጊዜ ኣብቲ መስጊድ ዝነበሩ ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባት ናይ ሕክምና ሓገዝ ከምዘይረኸቡ'ውን ይገልጹ።

ነቲ ዘጋጠመ ጉድኣት ዝምልከት ካብ መንግስቲዊ ኣካል ዝተዋህበ ምላሽ የለን፤ ድምጺ ኣመሪካ'ውን ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምላሽ ንምርካብ ዘካየዶ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ነቶም ዝሓለፈ ሰሙን ቅትለት ዝፈጸሙ ሰባት ተሓተቲ ክገብር ጸዊዑ`ሎ። እቲ ተግባር ዘይድልን ልዕሊ ዓቐን ሓይሊ ምጥቃምን ምዃኑ`ውን ሓቢሩ`ሎ።

እቲ ኮሚሽን ወሲኹ ምስ ኣብ ግንቦት 26 ዝነበረ ኩነታት ብዝተኣሳሰር ዝተታሕዙ 140 ተጠርጠርቲ`ውን ብዋሕስ ክወጹ ጸዊዑ`ሎ።

ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ብወገኑ፡ ብዛዕባ ምፍራስ`ቶም 19 መሳጊድ ብዝምልከት ምስ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኣብ ፅዑቕ ዝርርብ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG