ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌትሪክ ተቛሪጹ ውዒሉ


ኣብ ኢትዮጵያ ንዋና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት'ታ ሃገር ሓይሊ ኤሌትሪክ ሎሚ ሰሉስ ተቋሪጹ ውዒሉ። ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት'ታ ሃገር ዝርከቡ ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ'ውን ንምቁራጽ'ቲ ሓይሊ ኤሌትሪክ ኣረጋጊጾም ኣለው።

ሓይሊ ኤሌትሪክ'ታ ሃገር ኣብ ፌስቡክ ገጹ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ግልገል ጊቤ -3 መመንጨዊ ጸዓት ብዘጋጠመ ጸገም ቴክኒክ ምቁራጽ ኣገልግሎት ምግጣሙ ሓቢሩ'ሎ፤ እቲ ትካል ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ይሰርሕ ምህላው'ውን ገሊጹ'ዩ።

ኣብ ሰዓታት ምሸት ኣብ ዋና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘጋጠመ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌትሪክ ምፍትሑ እቲ ትካል ንናይ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንክ ኮርፐሬሽን ሓቢሩ'ሎ።

ነበርቲ ብወገኖም እቲ ሎሚ ዘጋጠመ ምቁራጽ ሰፊሕ ቦታ ዝሽፍን ብምዃኑ እምበር ከምዚ ዓይነት ምቁራጽ ኣብ ወርሓት ክረምቲ ብተደጋጋሚ ከምዘጋጥም ይገልጹ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG