ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ምስ ወከልቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም


ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ሰኑይ ምስ ወከልቲ ፓርትታት ፖሎቲካ ምምይያጦም ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ “ኩሉ ሓቆፍ ረብሓ ኣብ ዘለዎም ሃገራዊ ጉዳያት ምርድዳእ ንምፍጣር ብዝምልከት ተመያይጥና’ለና” ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ገጾም ዘውጽእዎ መልእኽቲ ሓቢሮም። እቲ ምይይጥ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ዝተኻየደ ዝቀፀለ ምዃኑ’ዉን ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብቲ ናይ ሎሚ ምይይጥ ዝተረኽቡ ፓርትታት ፖለቲካ ዋዜማን ህዝባዊ ኣብዮታዊ ፓርቲ ኢትዮጵያ(ኢሕኣፓ)ን ይርከብዎም።

ኣብቲ ምይይጥ ዝተረኽቡ ወኪል ዋዜማ ምኽትል መራሒ’ቲ ፓርቲ ኣቶ ዮሃንስ መኮነንን ወኪል ኢሕኣፓ ምኽትል ኣቦመንበር’ቲ ፓርት መጋቢ ብሉይ ኣብርሃም ሃይማኖት ካብ ዝተዘርበሎም ነጥብታት ሰላምን ፀጥታን ቀንዲ ምንባሮም ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም። ወኪል ኢሕኣፓ ምኽትል ኣቦመንበር’ቲ ፓርት መጋቢ ብሉይ ኣብርሃም ሃይማኖት በቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ዝተዋህበ ምላሽ ፓርቲኦም ከምዘይዓገበ ተዛሪቦም’ለዉ።

ብመንግስቲ ተዓዲሞም ኣብቲ ምይይጥ ካብ መንጎ ዘይተረኽቡ ሓደ ኦፌኮ- ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ሓደ ኮይኑ ኣቦ መንበር’ቲ ፓርቲ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ከም ወትሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ፓርትታት ፖሎቲካ ዝገብርዎ ምይይጥ ምስሉይን ሓሳበይ ጥራይ ስምዑ ዝንፀባረቀሉ’ዩ ኢሎም ከምዝኣምኑ’ዮም ተዛሪቦም።

ቅድሚ’ዚ ምስቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተገብረ ምይይጥ ፖለቲካዊ ፓርትታት ክልላት ምስ ምምሕዳራት ክልላትን ከንቲባታት ከተማታትን፡ ሃገር-ለኸ ፓርትታት ከኣ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ፓርቲ ብልፅግና ምምይያጦም ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG