ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ድሪባ ኩማ ሓድሽ ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም


ሓድሽ ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ
ሓድሽ ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ
ኣቶ ድሪባ ኩማ መበል 30 ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም ተመሪፆም።ናይ ፓርላማ መንበሪአን ገዲፈን ንምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዝተወዳደራ ናይ ቀደም ቀዳማዊት እመቤት ኣዜብ መስፍን ምኽትል ከንቲብ ክኾና እየን ዝብል ቅድም ክብል ዝቐረቡ ፀብፃባት ገለ ጋዜጣታት ከይኮነ ተሪፉ።

ኣብ ቀረባ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ንብምሉኡ 138 መንበሪ ዝሰዓረ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ናይ ከንቲባነት ምርጫ ሎማዕንቲ ሰሉስ ዕላዊ ገይሩ’ሎ።
በዚ መሰረት ናይ ፌዳራላዊ መንግስቲ ናይ ትራንስፖርት ምንስቴር ዝነበሩ ኣቶ ድሪባ ኩማ ከንቲባ፣ኣቶ ኣባተ ስጦታ ምኽትል ከንቲባ፣ዶክተር ታቦር ገብረመድህን ድማ ኣፈ ጉባኤ ብምዃን ተሸይሞም።

ኣቶ ድሪባ ሓላፍነቶም ካብ ናይ ቀደም ከንቲባ ኣቶ ኩማ ደመቅሳ ተረኪቦም ኣለው።ከንቲባ ድሪባ ኩማ ሓድሽ ምምሕዳሮም ዝሓለፈ ምምሕዳር ዝጀምሮም ስራሕቲ ከምዝቕፅለሉ ኣብቲ ስነስርዓት ኣብዘስምዕዎ መደረ ሓቢሮም።

ኣብታ ከተማ ዝርአ ዝለዓለ ሕፅረት መንበሪ ኣባይቲ ንምቅላል በብዓመቱ ዝለዓለ በጀት ተመዲቡ ክስራሕ ከምዝፀንሐ ብምዝኽኻር ‘’ካብቶም ዝተሰርሑ ናብ 110 ሽሕ ዝኾኑ ንተረባሕቲ ዝተኸፋፈሉ እንትኾኑ 70 ሽሕ ድማ ኣብ ህንፀት ይርከቡ።’’ ናብ 400 ሽሕ ንኾኑ ነበርቲ እታ ከተማ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ብምግላፅ እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ከተማ እውን ነዚ ዘፈር እዚ ዝግባእ ትኹረት ብምሃብ ኣብ ታ ከተማ ዝርአ ዘሎ ሕፅረት መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ብዕቱብ ክሰርሕ እዩ ኢሎም።

ኣብታ ከተማ ዝካየዱ ዘለው ህንፀት ፕሮጀክትታት መንገዲ እውን በቲ ሓድሽ ምምሕዳር ትኹረት ከምዝወሃቦ ከንቲባ ድሪባ ኩማ ሓቢሮም።ብኣቕራብነት ኣቶ ድሪባ ኣባላት ካብኔት እታ ከተማ እውን ተሸይሞም።ኣብ ናይ ኣቶ ኩማ ደመቅሳ ዝነበሩ ሓላፍቲ ዳርጋ ኩሎም ኣብ ስልጣኖም ክፀንሑ ተገይሩ’ሎ።
ናይ ቀደም ቀዳማዊት እመቤት ኣዜብ መስፍን ብምንስቴር ማዕረግ ምኽትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኮይነን ክሕረያ እየን ዝብል ብጋዜጣታት ዝተጠቐሰ ሓቂ ኣይኮነን ይብል ፀብፃብ እስክንድ ፍሬው ካብ ኣዲስ ኣበባ።
XS
SM
MD
LG