ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ኣብያተ ንግዲ መርካቶ ተዓጽዮም ውዒሎም


መርካቶ- አዲስ አበባ
መርካቶ- አዲስ አበባ

ኣብ ዋና ከተማ አዲስ አበባ ዝርከብ ብ’መርካቶ’ ዝፍለጥ ዝዓበየ ናይ ዕዳጋ ቦታ ዝርከቡ ነጋዶ ትማሊ ሶሉስ አብያተ ንግዶም ዓጽዮም ምውዓሎም ተገሊጹ። እቶም ነጋዶ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰዱ ብሰንኪ ልዑል ግምት ዕለታዊ እቶትን ቀረጽ ምኳኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ወነንቲ ነአሽቱ ኣብያተ ንግዲ’ታ ሃገር ግምት ዕለታዊ እቶት አርባዕተ ዕጽፊ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኮይኑ ከምዝረኸብዎ መረረኦም ከስምዑ ቀንዮም’ዮም።

ኢትዮጵያ፡ ኣብያተ ንግዲ መርካቶ ተዓጽዮም ውዒሎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:05 0:00

ኣቐዲሙ መረረ ዘስምዑ ነበርቲ አምቦን ወሊሶን ኽኮኑ ከለው ፡ ወነንቲ አብያተ ንግዲ ክልቲአን ከተማታት’ውን ተመሳሳሊ አድማ ምክያዶም ይፍለጥ።

እዘን ክልተ ከተማታት ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝርከባ እየን፡ እዚ ክልል ድማ ኣብ 2015 ዓ.ም ኣብታ ሃገር ዝተላዕለ ተቓውሞን ግጭትን ዝተራእየሉ ክልል ምኳኑ ይፍለጥ።

ይኹን ደአ እምበር ድሕሪ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ,2016 ዓ.ም ምእዋጅ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ፡ ኣብቲ ክልል ሰላም ምስፋኑን እዚ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ኣድማ ኣብያተ ንግዲ ድማ ናይ መጀመርያ ዝተወሃሃደ አድማ ምኳኑ ይግለጽ አሎ።

አገልግሎት ዜና AFP ዘዘራረቦም መንነቶም ክግለጽ ዘይፈቐዱ ነበርቲ እቲ ክልል ዝሓለፈ ሰሙን ንሰለስተ መዓልታት ኣብያተ ንግዲን አገልግሎት መጉዓዝያን ስራሕ ደው ናይ ምባል አድማ ምክያዶም ይገልጹ።

ብተወሳኺ መረረኦም ከስምዑ ናብ ምምሕዳራት እዘን ከተማታት ዝተጓዕዙ ተቃወምቲ ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተመልሱን ይግለጽ አሎ።

አባላት ፖሊስ ኣብ እዋን ስራሕ ኣብያተ ንግዶም ንዘይኸፈቱ ወነንቲ ከምዘፈራርሑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ትማሊ ሶሉስ ድማ ኣብያተ ንግዲ ዋና ከተማ ኣዲስ አበባ ተዓጽዮም ምውዓሎም ዝገለጸ ኣገልግሎት ዜና AFP ገለ ወነንቲ መፈራርሒ ደብዳበ ከምዝበጽሖም ብተወሳኺ እቲ ኣገልግሎት ዜና ይሕብር።

ብዙሓት ወነንቲ ኣብያተ ንግዲ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ንምዝራብ ፍቃደኛታት ከምዘይነበሩን ሲቪል ክዳን ዝተኸድኑ አባላት ሓይልታት ጸጥታ ንጋዜጠኛ AFP ካብ መርካቶ ክወጽእ ከምዘገደዱ እቲ ኣገልግሎት ዜና ይገልጽ።

ወሃቢት ቃል ኣብ ክፍሊ ቀረጽን አታዊ ውሽጢ ሃገርን ፋሲካ በላይ “መንግስቲ ንግምት ዕለታዊ እቶት ከምዘይወሰኸ ይኹን ደአ እምበር እቶም ወነንቲ እቲ ግምት ከመይ ከምዝስራሕ ዓሙቕ አፍልጦ ስለዘይብሎምን ብዘይ ምርዳእን ዝኾነ እዩ” ኢለን።

XS
SM
MD
LG