ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ባርዕ ሓዊ ከባቢ መርካቶ 7 ሰባት ኣቝሲሉ፡ ኣብ ንብረት ዓቢ ዕንወት ኣውሪዱ” ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ


 ኣብ መርካቶ ሸማ ተራ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ
ኣብ መርካቶ ሸማ ተራ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ሸማ ተራ ተባሂሉ ኣብ ዝጽውዕ ኣከባቢ ናይ መርካቶ፡ ትማሊ ሰኑይ ምሸት ብዘጋጣመ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ንብረትን ትሕተ-ቅርጺን ዓቢ ዕንወት ምውራዱ ወሃብ-ቃል ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ። በቲ ሓደጋ ሸውዓተ ሰባት ክቖስሉ እንከለዉ፡ ካብኣቶም ክልተ ብኸብዲ ምቝሳሎም ወሃብ-ቃል ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኣቶ ንጋቱ ማሞ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ። ነቲ ባርዕ ንምቍጽጻር ሽዱሽተ ሰዓታት ከም ዝወሰደ ዝሓበረ ኣቶ ንጋቱ ማሞ፡ ሓያሎ ድኳናት ምሉእ ብምሉእ ክዓኑ እንከሎ፡ ኣብ ትሕት-ቅርጺ እቲ ዕዳጋ ድማ መጠናዊ ዕንወት ምውራዱ ሓቢሩ'ሎ።

ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ባርዕ ንምቍጽጻር ልዕሊ ዓቕሞም ምኻዱን ተወሳኺ ሓገዝ ድሕሪ ምርካቦም ነቲ ባርዕ ንምቍጽጻር ምኽኣሎምን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ጠንቂ እቲ ባርዕ ዛጊት ወግዓዊ ኣይኰነን። በቲ ሓደጋ ዝወረደ ክሳራ ምስ ተገምገመ ንህዝቢ ክገልጽ ምዃኑ’ውን እቲ ወሃብ-ቃል ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG