ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዲስ ኣበባ- ኣድማ ምዕጻው ኣብያተ ንግዲ መርካቶ ሎሚ'ውን ቀጺሉ'ሎ


መርካቶ - ፋይል
መርካቶ - ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ዝግለጽ ዕዳጋ መርካቶ ትማሊ ዝጀመረ ኣድማ ምዕፃው ኣብያተ ንግዲ ሎሚ’ውን ቀፂሉ ውዒሉ።

መንግስቲ ብዘካይዶ ዘሎ ምቁጽጻር ቅብሊት ሕሳብን መቅጻዕቲን ኣብቲ ቦታ ዝንቀሳቀሱ ነጋዶ ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሮም ኣባይቲ ንግዲ ናይ ምዕፃው ኣድማ ምግባሮም ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ወነንቲ ኣብያተ ንግዲ ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ካብ መክዘናት ንብረቶም ከህድሙ ዝጀመሩ’ውን ከምዘለዉ ብምግላፅ ጠንቂ ድማ ምዝሓል ዕዳጋ ከምዝኾነ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ወሲኾም ተዛሪቦም።

ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ብወገነን ምኽንያት መጀመሪ እዚ ምቁጽጻር ብዙሕ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓታት ብምህላዎም ምዃኑ ኣብቲ ሎሚ ሰሉስ ዝተካየደ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ እቲ ከተማ ተዛሪበን።

ንብረት ክውረስ ይኽእል እዩ ክብል ንዝተዘርገሐ ናይ ሓሶት ወረ ብለይቲ ካብ መክዘናት ንብረት እናተፃዓነ ይወፅእ ኣሎ ዝበላ እተን ከንቲባ ነቲ ተግባር ኮኒነንኦ ኣለዋ። ምምሕዳር እቲ ከተማ ንዝጀመሮ ምቁጽጻር ኣሐይሉ ከምዝቕፅለሉን ገበነኛ ኮይኖም ዝተረኽቡ’ውን ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ከይዲ ከምዝቕፅል ኣብቲ ኣኼባ ሓቢረን።

ኣብዚ ጉዳይ ኣብ ምምሕዳር እታ ከተማ ካብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ ሓለፍቲ ርእይቶ ንምርካብ ስልኪ ብምድዋል ዝተኻየደ ፈተነ ንግዚኡ ኣይሰለጠን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG