ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተወደበ ገበን ዝተጠርጠሩ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ፖሊስ ኣፍሊጡ


ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ - ፋይል
ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ - ፋይል

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ፈደራል ፖሊስን ብዝገበርዎ ናይ ሓባር ስርሒት ብዝተወደበ ገበናት ዝጠርጠርዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝኣሰሩ ኣፍሊጦም።

በቲ ስርሒት ድማ ኣጽዋራትን ኣደንዛዚ ዕጽን ከምኡ`ውን ዝተሰርቁ ተንቀሳቓሲ ተለፎናትን ካልእ ንብረትን ከም ዝሓዙ ካብ ኮሚሽነራት ፖሊስ ሓደ ዝኾነ ኣድማሱ ኢፋ ሎሚ ንሪፖርተራት ተዛሪቡ`ሎ። በቲ ናይ ሓባር ስርሒት ልዕሊ 5,500 ተጠርጠርቲ ከም ዝተታሕዙ`ውን ወሲኹ ጠቒሱ`ሎ።

ከይተሰርቁ ወይ ከይቆሰሉ ዝሓልፍሉ መዓልቲ ከም ዘየለ`ዮም ዝገልጹ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ስርቂ፡ ጭውያ፡ ማህረምቲ ከምኡ`ውን ካልኦት ገበናት መዓልታዊ ተርእዮ ምዃኖም ይገልጹ።

እቲ ማእሰርቲ ብምብዝሑ ዝተላዕለ ከም ግፋ ዝተራእየሉ ኩነታት ከም ዘሎ፡ እንተኾነ ግፋ ከም ዘይኮነ ፖሊስ ገሊጹ`ሎ።

በቲ ንዝሓለፈ 20 መዓልታት ዝተኻየደ ስርሒት፡ ምስ ገበነኛታት ብምትሕብባር ዝተጠርተሩ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ኣባላት ጸጥታ `ውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዝኣተዉ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG