ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝቅባበ ገንዘብ ኣብ ናብርኦም ጸገም ይፈጥር ምህላው ገሊጾም


ነበርቲ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ እናነሃረ ዝኸይድ ዘሎ ዝቕባበ ገንዘብ ንናብርኦም ከቢድ ጌርዎ ከምዘሎ ይገልጹ።

ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ዋጋ መግብን ኣገልግሎትን በብጊዚኡ ምንሃሩ ከምዝቐጸለን፤ ዝቕባበ ገንዘብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ንገለ ስድራቤታት ፡ መግብን መሰረታዊ ነገራትን`ኳ ንምግዛእ ጸጊምዎም ከም ዘሎ ይገልጹ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ዝሓለፈ ቅንያት ንባይቶ ሃገሮም እቲ 37 ሚእታዊት ወሰኽ ዘርኣየ ዝቕባበ፡ ናብ 30 ሚእታዊት ወሪዱ እንተነበረ`ኳ፡ ብፍላይ ዋጋ መግቢ ግን ካብ 30 ናብ 43.9 ሚእታዊት ከም ዝደየበ ኣይሓብኡን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG