ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ምፍራስ ኣባይቲ ተተሓሑዙ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ሓደ ፈፃሚ ስራሕ ወረዳን ተቐቲሎም


ኣብ ኣዲስ ኣበባ ላፍቶ ክፍለ ከተማ ሃና ማሪያም፣ፋሪ፣ማንጎ ጨፌን ኣብ ካልኦት እቲ ክፍለ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ምስ ምፍራስ ኣባይቲ ተተሓሑዙ ክልተ ኣባላት ፖልስ ኣዲስ ኣበባን ሓደ ፈፃሚ ስራሕ ወረዳን ከምዝተቐትሉ ዝበፅሐና ዜና ሓቢሩ።

ኣብቲ ከባቢ ዘይሕጋዊያን ሃነፅቲ ኣባይቲ መልክዕ ንምትሓዝ ኣብ ዝተገብረ ምንቅስቓስ ዘይሕጋዊያን ኣብ ዘብፅሕዎ መጥቓዕቲ እቶም ሰባት ከምዝተቐትሉ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ሎምሸት ገሊፁ’ሎ።

ኣብ ንፋስ ስልኪ ክፍለ ከተማ ላፍቶ ነቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝፈፀሙ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓል ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ’ሎ ይብል ፀብፃብ ፅዮን ግርማ።

XS
SM
MD
LG