ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዓብይ ጉያ ብዝተሓሓዝ ቁጽሪ ዝእሰሩ ሰባት ምውሳኹ ተገሊጹ


ዓብይ ጉያ
ዓብይ ጉያ

ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝተኻየደ ዓብዪ ጉያ ተኣሳሲሩ ብዝሒ ይእሰሩ ዘለው ሰባት ይውስኽ ከምዘሎ ጠበቓኣቶ ሰሎሞን ገዛኸኝ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ።

ኣቶ ሰሎሞን ገዛኸኝ አብ ዝሃቦ ርእይቶ ኣብ ሓደ ከባቢ ጥራሕ ብዝሒ ዝተኣሰሩ ሰባት 19 ከምዝበጽሐን ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡን ጠቂሱ። ስድራቤታት ተጨኒቆም ከምዘለው’ውን ሓቢሩ።

ሓደ ሓው ዝተኣሰሮ ውልቀሰብ ንድምጺ ኣመሪካ ከምዝጠቀሶ እሱር ሓው ኣብ ፖለቲካ ከምዘይሳተፍ፣ ክሳብ ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ስለዘይቀረበ ድማ ከምዘተሓሳስቦ ገሊጹ።

ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ፣ ካብ ፖሊስ ግብረ መልሲ ንምርካብ ዝተካየደ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG