ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ኣብ አዲስ አበባ ብምፍራስ ዝተአከበ ጎሓፍ ዝሞቱ ሰባት 150 ክበጽሕ ይኽእል’ዩ ክብሉ ነበርቲ ሓቢሮም


ኣብ አዲስ አበባ ዝተአከበ ጎሓፍ ብምፍራሱ ንዝሞቱ ሰባት ናይ ምድላይ ስራሕ ቐጺሉ ኸምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

ብወግዒ ዝተገልጸ ቁጽሪ በቲ ሓደጋ ዝሞቱ 113 ኽከውን ኸሎ ነበርቲ ግን ባዕላትና ተወዲብና ኣብ ምድላይ ሬሳታት ንሰርሕ ኣለና ይብሉ ንሶም ብተወሳኺ ብዘለዎም ግምት ቁጽሪ ዝሞቱ ናብ 150 ኽብ ክብል ይክእል’ዩ ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

ሓደ ካብ ነበርቲ “ብሸውዓተ መኻይን ይኩዓት ስለዝነበረ ኣብ ኩለን ምዃን ስለዘይኸአል እምበር ብውሑዱ ብድምር ክሳብ 150 ሬሳታት ወጺኡ ኢልና ንሓስብ” ይብል ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ምምሕዳር አዲስ አበባ ካብ ክፍሊ ኮሚኬሽን ወ/ሮ ዳግማዊት ሞገስ መንግስቲ ብኢትዮጵያዊያን ዝተለገሰ ክልተ ሚልዮን ዶላር ጌሩ ነቶም ዝደሓኑ ግዳያት ናብ ካልእ ቦታ ከግዕዞም ይትልም ኣሎ ኢለን።

ኣብ እዋን’ቲ ሓደጋ ሰባት ኣብ ርእሲ ርእሲ ዓራት ደቂሶም ስለዝነበሩ እተን ዶዘራት ክኹዕታ ኸለዋ ዝተቆራረጸ አካላት የውጽኣ ከምዝነበራን እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ከምዝነበረን ካብ መንጎ እቶም አነበርቲ ወሲኾም ኣረድኦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG