ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳርጋ ፈሪሳ ትህነፅ ዘላ ኣዲስ ኣበባን መረረት ነበርታን


Addis Ababa
Addis Ababa
ኣዲስ ኣበባ ኣብ‘ዚ እዋን ሙሉእ ንሙሉእ ዞባ ህንፀት‘ያ መሲላ ዘላ። ንስራሕቲ ዘገልግሉ ገዘፍቲ ማሽናት ድማ ንፅርግያታትን መተሓላለፊታትን ዓፅዮም ይራኣዩ።

ከምሳዕቤኑ ድማ ናይ ማካይን ምጭንናቅ ተፈጢሩ‘ሎ።ነበርታ ዝኸፍልዎ ዋጋ‘ውን ኮይኑ‘ሎ።ኩሉ ሰብ ሕጉስ‘ዩ ማለት ኣይኮነን።

ብመሰረት ፀብፃብ ሕ/ሃ፣ሰማንያ ሚእታዊ ክፍሊ ኣዲስ ኣበባ ዳርጋ መንበሪ ድኻታት (ጌቶ) እዩ።ነዚ ፀገም‘ዚ ንምቅላል ኣማሓደርቲ‘ታ ከተማ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት ዝትግበር ማስተር ፕላን ይሰርሑሉ‘ለው።እቲ ማስተር ፕላን 1.5 ሚልዮን ሓደሽቲ፣ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ኣባይቲ፣ ንግዳዊ ህንፃታት፣ሓደሽቲ ጎደናታትን ፅርግያታትን መንገዲ ባቡርን ዝሓቆፈ‘ዩ።

ብዘይጥርጥር ናህሪ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጡ ዘለው ገዘፍቲ ፕሮጀክታት ህንፀት ንውጥናት ምዕባለ ይቅድም‘ሎ።መብዛሕተኦም ሓደሽቲ ህንፃታት ንኣብነት፣ከም‘ቲ ዝተወጠነሎም ንማካይን ጠጠው መበሊ ዝተመደበሎም ቦታ ኣብ መዓልኡ ኣየውዕልዎን።

ኣብ ክንድኡ እቲ ንማካይን ደው መበሊ ዝተወጠነ ስፍራ፣ናእሽቱ ሹቋት ተሰሪሕዎ ወይ ንለይታዊ መሳዕስዒ ክኸውን‘ዩ ዝግበር ዘሎ።እዚ ድማ ነቲ ፅቅጥቅጥ ዘይተፈለዮ ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ዝያዳ ዓቅልኻ ዘፅብብ ክኸውን ገይሩ‘ሎ።
ሙሉእ ሪፖርት
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:02 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG