ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢሰመኮ - ብኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝተኣሰሩ ሰባት ክፍትሑ ሓቲቱ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ሎሚ ረቡዕ ዘብቕዕ ክኸውን ከሎ ምስቲ ኣዋጅ ተተሓሒዙ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሰባት ክፍትሑ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢሰመኮ ሓቲቱ።

ብካልእ ወገን ኣብ ትሕቲ እዚ ኣዋጅ ዝተኣሰሩ 112-ሰባት ብተግባር -ሽበራ ተኸሲሶም ሎሚ ረቡዕ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

እቶም ተኸሰስቲ ምስቲ ኣዋጅ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣዋሽ-ኣርባን ኣዲስ ኣበባን ተኣሲሮም ዝጽንሑ ምዃኖም ጠበቃ ሰሎሞን ገዛኸኝ ገሊጾም ።

እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ሎሚ ዘብቕዕ'ዃ እንተኾነ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ካብ መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ዝተዋህበ መግለጺ የለን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG