ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሰናዳኢ ምርኢት ሙዚቃ ኣሸንዳ ኣዲስ ኣበባ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ


ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ሚሌንየም ዝሓለፈ ሰሙን ንዝተዳለወ ምርኢት ሙዚቃ በዓል ኣሸንዳ ዘሰናድአ ኣቶ ኤፍሬም ኤርሚያስ፡ ኣብታ ከተማ ህውከትን ናዕብን ብምልዕዓል ተጠርጢሩ፡ ብቐዳም ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው፡ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ፌደራል ቤት ፍርዲ ኣራዳ ቀሪቡ። ወናኒ ፊደል ላወንጅ ዝኾነ ኣቶ ኤፍሬም፡ “ምስሊ መንግስቲ ብምፅላምን ህውከት ብምልዕዓልን” ዝብል ክሲ ብፖሊስ ተመስሪቱሉ ኣሎ።

ጠበቓታት ጥርጡር ብወገኖም፡ እቲ ምርኢት ከምቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝፈቐዶ ብሰላም ምሕላፉን ኣብቲ መዓልቲ ኣብ ከባቢ ወሎ ሰፈር ኣጋጢሙ ዝተባህለ ስእነት ጸጥታ ካብ ኣዳራሽ ሚሌንየም ወፃኢ ዝተፈጥረ ጸገም ፀጥታ ብምዃኑ ኣዳላዊ ምርኢት ተሓታቲ ከምዘይኾኑ መጕቶም። ኣቶ ኤፍሬም ብወገኑ፡ “ኣብ ግዜ ምርኢት ንሰላም ኢና ሰቢኽና፡” ክብል ቃሉ ሂቡ።

ፖሊስ፣ ቃል ተጠርጣሪ ንምቕባል፣ መረዳእታ ንምእካብን፣ በቲ ናዕቢ ኣብ ልዕሊ ንብረት ዝበፀሐ ዕንወት ንምፅራይን ተወሳኺ 14 መዓልቲ ክወሃቦ ንቤት ፍርዲ ሓቲቱ። ተጠርጣሪ ነቲ ዝግበር ምርመራ ከተዓናቕፍ ስለዝኽእል ድማ ከይፍታሕ ሓቲቱ። ጠበቓታት ኣቶ ኤፍሬም ብወገኖም፣ እቲ ጉዳይ መሰል ዋሕስ ኣየኸልክልን ብምባል ተኻቲዖም። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንፖሊስ ተወሳኺ ሸውዓተ መዓልታት ብምፍቃድ ን30 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ቆፀሮ ሂቡ።

ዝሓለፈ ቐዳም፣ 20 ነሓሰ 2015 ብፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ኣቶ ኤፍሬም ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሩ ይርከብ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG