ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምስጢር ይንቀሳቐሱ ነይሮም ዝተባህሉ 50 ተጠርጠርቲ ምእሳሮም መንግስቲ ኣፍሊጡ


ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ብምስጢር ይንቀሳቀሱ ኔሮም ዝተባህሉ 50 ተጠርጠርቲ ኣብ ቐይዲ ምእታዎም መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሓይሊ ዕማም ጸጥታን ደሕንነትን መንግስቲ ብብረት ዝተሓገዘ ህውከትን ዕግርግርን ንምፍጻም ይንቀሳቀሱ ኔሮም ዝበሎም 50 ተጠርጠርቲ ከም ዝኣሰረ ኣፍሊጡ'ሎ።

እቲ ሓይሊ ዕማም እቶም ዝተታሕዙ ተጠርጠርቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ዝንቀሳቀሱ "ጸረ-ሰላም" ክብል ዝጸወዖምን ኣካላት ብምስጢር ምትእስሳር ከም ዘለዎም ተጠቂሱ፤ ምስ ብረቶም ከም ዝተታሕዙ'ውን ገሊጹ'ሎ።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብቲ መንግስታዊ ኣካል ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተኻየደ ጻዕሪ ኣይሰለጠን። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ነቲ ጉዳይ ይከታተሎ ምህላዉ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG