ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ተወጢኑ ምስ ዝነበረ ሰልፊ ብዝተሓሓስ 97 ሰባት ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ


ከተማ ኣዲስ ኣበባ - ፋይል
ከተማ ኣዲስ ኣበባ - ፋይል

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰንበት ክካየድ ተመዲቡ ምስ ዝነበረ ህዝባዊ ሰልፊ ተኣሳሲሩ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝተኣሰሩ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ። እቲ ሰልፊ ከምዘይካየድ’ውን ወደብቱ ሎሚ ዓርቢ ኣፍሊጦም።

መንግስቲ ኣብ ዘርገሖ መግለጺ በቲ ሰልፊ ተኸዊሎም ግብሪ ሽበራ ንክፍጽሙ ወጢኖም ነይሮም ንዝነበሎም 97 ጥርጡራት ከምዝሓዘ ገሊጹ ኣሎ። መንግስቲ ዘቆሞ ሓይሊ ዕማም ብዛዕባ’ቶም ኣብ ቐይዲ ዝኣተው ሰባት ክገልጽ ከሎ ‘ምስ ናይ ክልል ኣምሓራ ጽንፈኛታትን ናይ ኦነግ ሸኔ ጉጅለ ግብረ ሽብራን ርክብ ዘለዎም'ዮም ካብ ምባል ሓሊፉ ዝሃቦ ጽጹይ ሓበሬታ የለን።

ካብ ሞንጎ ነቲ ሰልፊ የተሓባብሩ ዝነበሩ ሓደ ዝኾኑ ኣቦ መንበር ኢህኣፓ ረዳት ፕሮፈሰር ዝናቡ ኣበራ ብወገኖም ኣርባዕተ ኣተሓባበርቲ ከምዝተኣሰሩ ኣረጋጊጾም። እቶም እሱራት፣ ናብ’ቲ ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ ምውሳዶምን፣ እቲ ንሰንበት ዝተጸወዐን ኣብ ትሕቲ ‘ውግእ ሕድ ሕድ የብቅዕ’ ዝብል ዝተሰመየን ሰልፊ ንጊዚኡ ከምዘይካየድን ካልእ መዓልቲ ከምዝፍጸምን’ውን ሓቢሮም።

ፓርቲታት ኢዜማን እናትን’ውን ኣባላቶም ከምዝተኣሰርዎም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG