ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ኣዲዳስ፡ ንዋጋ ትግስት ኣሰፋ ለቢሳቶ ዝተዓወተት ጫማ የንህር


ተዓዋቲት ማራቶን በርሊን ትግስት ኣሰፋ
ተዓዋቲት ማራቶን በርሊን ትግስት ኣሰፋ

ብሰንበት 24 መስከረም 2023 ክብረ-ወሰን ማርቶን በርሊን ንዝሰበረት ኢትዮጵያዊት ትግስት ኣሰፋ፡ ለቢሳቶ ንዝተወዳደረት ፍርያት ኣዲዳስ ዝዀነ ጫማ፡ ዋጋኡ ናብ 500 ዶላር ደዪቡ።

ትካል ኣዲዳስ ነዚ ንተቐዳደምቲ ዝኸውን ጫማ ካብቲ መወዳደርቱ ዝዀነን ተመሳሳሊ ፍርያት ዘቕርብን ትካል ናይኪ ብፍርቂ ዋጋ ወሲኹሉ ኣሎ።

እቲ ጫማ ንውድድር ማራቶን ዝተዳለወ ኰይኑ፡ ሓደ ግዜ ጥራይ ክልበስ ከም ዝኽእል ኣፍረይቲ ይሕብሩ።

ትካል ኣዲዳስ ንመጀመሪ 521 ጽምጺ ጫማ ኣፍርዩ ንዕዳጋ ኣውሪዱ ኣሎ። ኣብቲ ጫማ “ትግስት ኣሰፋ ብኣኺ ኵርዓት ኢና፡” ዝብል ተጻሒፉዎ ኣሎ።

ትግስት ኣሰፋ ኣብ ናይ በርሊን ማራቶን ነቲ ዝነበረ ግዜ ብዝያዳ ክልተ ደቓይቕ ከም ዘመሓየሸቶ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG