ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማይ ካድራ እንታይ እዩ ተፈፂሙ? ካብ ቃል ነባራይ ናይታ ከተማ


ኣብ ትግራይብሰንኪ ይካየድ ዘሎ ኵናት ካብ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይካድራ ሃዲሙ ኣብ ‘’ሓሻባ ተማኒያ’’ ዝተብሃለ ማእኸል ስደተኛታት ዝርከብ ስደተኛ ኣብ ማይ ካድራ 30 ጥቅምቲ ናብ 1 ሕዳር 2013 ዓ\ም ለይቲ ምሉእ ኣብ ልዕሊ ሰባት ጭፍጨፋ ምፍፃሙ ይገልፅ።ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለ እዚ ነባራይ ማይካድራ መንን መን ከምዝጨፍጨፈንምግልፅ እንተኸበደ እውንጀመርቱግንብዓረብኛ ‘ሳዕሉግ’ ተባሂሎም ዝፅውዑ ስድራን 'ሓላፍነትን’ ዘይብሎም ዝበሎም ኢትዮጵያዊያን ናይ በረኻ ሰራሕተኛታት እዮም ይብል።

ፖሊስን ፍሉይ ሓይልን ትግራይ ካብታ ከተማ ምስወፁ እሱራት እውን ካብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኦም እቲ ቕትለት ከምዝተኻየደ፣ስድርኡ ኣቐዲሞም ሃዲሞም ንሱ ድማ ሓደ ሕዳር ካብ ማይ ካድራ ወፂኡ ብእግሩ ሃዲሙ ካብ 75 ክሳብ 80 ኪሎ ሜትር ተጓዒዙ ናብቲ መዕቆቢ ስደተኛታት ከምዝኣተወ ይገልፅ።

ኣብቲ መዕቖቢ ስደተኛታት ፀገም ምግቢ ከምዘሎ ብምሕባር ክሳብ ሎማዕንቲ ሰባት ካብ ትግራይ ብበዝሒይውሕዙ ከምዘለው ገሊፁ።

ምሉእ ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ማይ ካድራ እንታይ እዩ ተፈፂሙ? ካብ ቃል ነባራይ ናይታ ከተማ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:39 0:00


XS
SM
MD
LG