ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ኣኽሱም እንታይ ተፈፀመ? ካብ ኣንደበት ስድራ ግዳያትን መሰኻኽርን


ካብ ፀጋም ንየማን ኣቶ ልሳነወርቅ ለኣከ 78፣ብርሃነ ወላይ 23፣መምህር ግርማይ ተኽላይ 34ን ቢኒያም ልሳነወርቅ 17ን እዮም
ካብ ፀጋም ንየማን ኣቶ ልሳነወርቅ ለኣከ 78፣ብርሃነ ወላይ 23፣መምህር ግርማይ ተኽላይ 34ን ቢኒያም ልሳነወርቅ 17ን እዮም

ኣብ ኣክሱም 19ን 20ን ሕዳር 2013 ዓ\ም ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ጭፍጨፋ ከምዝተፈፀመ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ኣባላት ስድርኦም ዝተቐተሉዎምን ይገልፁ። ኣመንስቲ ኢንተርናሽናል እውን ኣብ ኣክሱምን ካልኦት ከባቢታት ትግራይን ቅትለት ምፍፃሙ ብዝምልከት ሓበሬታ ከምዝበፅሖ ገሊፁ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ኵናት ካብ ዝጅምር ልዕሊ 80 ማዕልታት ኣቑፅሪ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ህይወት ብዙሓት ሰባት ጠፊኡ፣ ማእለያ ዘይብሉ ንብረት ዓኒዩ ከቢድ ዓፀቦ ኣንፀላሊዩ፣ ሰባት ብጥምየትሙማት ምጅማሮም ሰበስልጣን ክልል ትግራይ ከይተረፈ የረጋግፁ ኣለው።

ነበርትን ዓለምለኸ ማዕኸናት ዜናን ደቂ ኣንስትዮ ፆታዊ ዓመፅ ይፍፀም ከምዘሎ ይገልፁ ኣለው። ሕቡራት መንግስታት ብወገኑ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ይፍፀም ዘሎ ፆታዊ ጥቅዓት ከምዘሻቐሎ ገሊፁ ኣሎ።

መሰኻኽር ዓይኒን ስድራ ግዳያትን ወታደራት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ንኽትግለፆ ዘፀግም ዝበሉዎ ጭፍጨፋ ከምዝተፈፀመ ይገልፁ።

መብርሂት ፍፁም 28 ዓመት ዝዕድሚኡ ዓብይ ሓወይ ተኽላይ ፍፁምን ወዲ 13 ዓመት ንእሽተይ ሓወይ ክብሮም ፍፁምን ኣብ ገዝኦም ከለው ተረሺኖምኒ፣ ኣብ ከቢድ ሓዘን'የ ዝርከብ' ትብል።

ተኽላይ ፍፁምን ክብሮም ፍፁምን ናይ ቀረባ ኣዝማዱ ምዃኖም ዝገለፀ ጉዕሽ ልሳነወርቅ ብወገኑ '78 ዓመት ዝዕድሚኦም ወላዲኡ ኣቶ ልሳነ ወርቅ ለኣከ፣ ወዲ 17 ዓመት ንእሽተይ ሓው ቢኒያም ልሳነወርቅ፣ 34 ዓመት ዝዕድሚኡ ስብኣይ ሓፍቱ መምህር ግርማይ ተኽላይን ኣብ ቅድሚ ናይ ኣርባዕተ ማዓልታት ሓራስ ብዓልቲ ቤቱ ንመምህር ግርማይን ወላዲቱ ንጉዕሽን ኣብ ውሽጢ ቤቶም ብወትሃደራት ኤርትራ ከምዝቐተሉዎም' ይገልፅ።

ኣብ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት Amnesty International ንጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘፅንዑ ኣቶ ፍስሃ ተኽሌ ኣብ ከተማወታደራት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣክሱም ንመናእሰይ ምቕታሎም ሓበሬታ በፂሑና ኣሎ ኢሎም።ኣብ ኣክሱም ይኹን ኣብ ካሎት ከባቢታት ይፍፀሙ ኣለው ዝብሃሉ ቅትለታትን መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ንምምርማር ንመንግስቲ ኢትዮጵያ መእተዊ ፍቓድ ሓቲትና ኣብ ምፅባይ ንርከብ ኣለና ኢሎም።

ካብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ፌደራል መንግስትን ሪኢቶ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። እቲ ቅትለት ብዝምልከት ብኻሊእ ነፃ ወገን ኣይተረጋገፀን።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ሓደ መነቱ ክዕቀበሉ ዝደለየ ኣባል ሰራዊት ኤርትራ ንመሳርሕትና ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃለ ምልልስ 'ኣብ ከተማታት ኣኽሱን ካልኦት ከተማታትን ኣብ ዝኣተናሉ እዋን ንተጋሩ ነድሕን ነይርና እምበር ኣይቀተልናን' ኢሉ።

ነቲ ቅትለት ብዓይኑ ዝርኣየን፣ ኣብ ኣክሱም በፂሓ ንዝተመለሰት ምስክር'ውን ኣዘራሪብና ኣለና።

ዝርዝሩ ብድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG