ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ሆሮ ጉድሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ተምርሕ ዝነበረት ኣውቶቡስ ብዘጋጠመ ሓደጋ 43 ሰባት ሞይቶም


ክልል ኦሮምያ
ክልል ኦሮምያ

ሎሚ ሰሉስ 11 የካቲት 2025 ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ክልል ኦሮምያ፡ "ኢፋ ቢያ" ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ወረዳ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 43 ሰባት ሞይቶም 42 ድማ ብኸቢድ ከምዝቖሰሉ ኣመሓዳሪ ወረዳ ኣቶ ሽብሩ ጸጋይ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም።

እቲ ሓደጋ ካብ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ከተማ ሻምቡ ናብ ኣዲስ ኣበባ እትጓዓዝ ዝነበረት ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ መኪና ፍሬን ምቁፅፃር ስኢና ካብ መገዳ ወፂኣ ብምፅዳፋ ምዃኑ እቶም በዓል ስልጣን ሓቢሮም። ንሶም ወሲኾም እታ ዝወደቐት ኣውቶቡስ 85 ተሳፈርቲ ፅዒና ምንባራ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ ትካል ማሕበር ቀይሕ መስቀል ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ናብ ሕክምና ምጉዕዓዙ ተሓቢሩ'ሎ።

ድምጺ ኣመሪካ ስድራቤት እቶም በቲ ሓደጋ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ኮነ ብህይወት ዝተረፉ ንምርኻብ ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰለጦን።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG