ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምኽትል ፕሬዝዳንት ማይክ ሜንስ ንሕፀ ፓርቶም ተቐቢሎም


ምኽትል ፕሬዝዳንት ማይክ ፔንስ ኣብቲ መብዛሕቲኡ ብማዕዶ ወይ ብቨርችዋል ዝካተድ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንኻልኣይ ዙር ሕፀ ሪፓብሊካዊ ፓርቲ ተቐቢሎም።ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኣሜሪካ ስቪላዊ ዘይምርግጋእ ይርኣይ ኣብዘለሉ ፔንስ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ብምሃብ ብዛዕባ ተቐናቐቶም ዴምክራቲ ፓርቲ ኣጠንቂቖም ኣለው።

ፔንስ ኣብ ሳልሳይ ማዕልቲ ሃገራዊ ጉባኤ ሪፓብሊካዊያንፓርቲ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ኣብ ባልቲሞር ኣብ ዝርከብን ኣብ 1814 ኣ\ፈ ኵናት ዝተኻየደሉን ከም ምልክት ዝርኣይን ፎርት ሚክሄነሪ መደረ ኣስሚዖም ኣለው።

‘’ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ብዝሃቡኒ እምነት፣ብድጋፍ ሪፓብሊካዊ ፓርቲ፣ከምኡ እውን ብናይኣምላክ ፀጋ ምኽትል ፕሬዝዳንት ኮይነ ክወዳደር ንዘቕረብኩምለይ ሕፀብትሕትና ይቕበል ኣለኹ’’ኢሎም ፔንስ።

ብፖሊስ ዝተቐትሉ ብርክት ዝበሉ ፀለምቲ ኣሜሪካዊያን ሓል ሓሊፉ ናዕቢ ዝተሓወሶ ተቓውሞታት ይገጥሞም ንዘለውን ኣብ ቅድሚት መስመር ተሰሪዖም ንዝርከቡን ፖሊሳት ዝድግፉ ናይ ሓርበኝነት መግለፂታት ተሰሚዖም ኣለው።ኣማሓዳሪ SouthDakota ክርስቲኖም ’’ህወከት ተጋፊሑ ኣሎ።ወራር ንብረት፣ናዕቢ፣ዕንወት ኣሎ’’ኢለን።

ትማሊ ምሸት ተደጋጊሙ ዝተሰምዐ መልእኽቲ ነይሩ።ናይ ቴነሲ ተወካሊት ዝኾና ሰኔተር ማርሻ ብላክበርን እውን ተመሳሳሊ ናይ ሓርበኝነት መልእኽቲ ኣስሚዐን።

ናይ ነቐፌታቶም ዒላማ ፕሬዝዳንታዊ ሕፁያት ዴሞክራቲክ ፓርቲ ጆ ባይደንን ካማላ ሃሪስን እዮም።

ነባርን ኣባል ሃገራዊ ማሕበር ውዳበታት ፖሊስን ዝኾነ ማይክል ሚክሄል መፍትሒታት ካብ ትራምፕ እዩ ዝርከብ ኢሉ።

ባይደን ናይ ፖሊስ በጀት ክንኪ ከመዘይደልዩ ብምግላፅ ኣብ መዳድባ ፖሊስን በጀት ክስራሕ ኣለዎ ይብሉ። ንኩነታት ናይቶም ከባቢታት ዝርድኡ ፖሊሳት ክምደቡን ንሰራሕተኛታት ጥዕና ኣእምሮ ዝኸውን ተወሳኺ ገንዘብይደልዩ።

‘’ንፖሊስ ዝምደብ ገንዘብ ክኽልከል ድልየት የብለይን።ተወሳኺ ሓገዝ እዩ ዘድልዮም፤ተወሳኺደገፍ የድልዮም።እዚ ብዛዕባ ምሕላው መነበሪ ከባቢታት፣ብዛዕባ ሓለዋ ህዝቢ ምዃኑ ብንፁርክነቐምጦ ኣለና’’ ኢሎም።

ንትራሞ ዝድግፉ ወታደራት ዝነበሩ ታሪኾም ከዘንትው ኣምሲዮም ኣለው።ቻይናዊ ተቓዋሚ ቸንጓንግቸን ባይደን ንኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና ንምሕጓስ ይሰርሑ ክብል ኸሲሱዎም።

ምኽትል ፕሬዝዳንት ማይክ ፔንስ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ኣስሚዖም። ‘’ጆ ባይደን ኣብ ፀላም እዋንንነብር ኣለና ኢሉ። ፕሬዝዳንት ትራምፕ ከምዝበሉዎ ንጆ ባይደን ፀልማት ኣሜሪካ እያ ትርአዮ፤ንዓና ግን ዓባይ ኣሜሪካ ትርኣየና።

ትራምፕ ኣብዚ ናይ ሎሚ ምሸት ሓሙስ ናይ መወዳእታ ጉባኤ ሕፁይነት ፓርቶም ምቕባሎም ወግዓዊ መደረ ከስምዑ እዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሃገራዊ ጉባኤ ሪፓብሊካዊያን ፓርቲ ይካየድ ኣብዘለሉን ኣብታ ሃገር ሓዱሽ ናዕቢ ዝተሓወሶ ተቓውሞታት ኣብዝተልዓለሉ እዋን ቀንዲ መልእኽቲ ወፍሪ ዳግመ ምርጫ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ምኽባር ‘’ሕግን ስርዓትን’’ ዝብል ኮይኑ ኣሎ።

ነቐፍቲ ግን ምምሕዳሮም ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ምቁፅፃር ስለዘይክኣለ ኣቓልቦ ንምስሓት ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ እዩ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG