ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ኣቦ መንበር ኢህወዴግ ኮይኖም ተመሪጾም


ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ
ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ

ንመዓልታት ኣብ ዕጹው ኣኼባ ተጸሚዱ ዝቀነየ ማእከላይ ኮሚቴ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ግንባር ኢትዮጵያ (ኢህወዴግ) ንዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ኣቦ መንበር እቲ ግንባር ንክኾኑ መሪጽዎም።

ኣቦ መንበር ዴሞክራሲያዊ ውድብ ህዝቢታት ኦሮሞ (ኦህዴው) ዝኾኑ ዶ/ር ኣብዩ ብኮምፕዩተር ኢንጂነሪንግ፣ ብሊደርሺፕ ትራንስፎርሜሽንን ለውጢን፣ ምሕደራ ቢዝነስን ብሰላምን ጸጥታን ናይ ዶክተራል ዲግሪ ዝተመረቑን'ዮም።

ኣብ ሰራዊት መከላኸሊ ኢትዮጵያ ክሳብ ሌተናል ኮሎኔልነት ዝበጽሑ ሓድሽ ኣቦ መንበር ኢህወዴግ ዶ/ር ኣብይቲ ኣሕመድ ኣባል ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ኮይኖም ኣብ ሩዋንዳ ከምዝወፈሩ'ውን ታሪኾም የርኢ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ማእከላይ ኮሚቴ ኢህወዴግ ንሕቶ ሓላፍነት ምርካብ ስልጣን ኣቶ ኃይለማርያም ደሳለኝ ከምዝተቐበለን ምክትል ኣቦ መንበር ኢህወዴግን ምክትል ቀ/ሚ ዝኾኑ ኣቶ ደመቀ መኮንን ኣብ መዝነቶም ንክጸንሑ ከምዝተወሰንን ተገሊጹ።


አቦ መንበር ኢህወዴግ ኮይኖም ዝተመረጹ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ መን እዮም፤ ድሕረ ባይታ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ኣቦ መንበር ኢህወዴግ ኮይኖም ተመሪጾም
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:51 0:00

XS
SM
MD
LG