ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ሃብታሙ ኣያሌው ናይ ቃል ክርክር ከስምዕ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ


ኣቶ ሃብታሙ ኣያሌው
ኣቶ ሃብታሙ ኣያሌው

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፓርቲ ሓድነት ዝነበረ ኣቶ ሃብታሙ ኣያሌው ንሕክምና ናብ ወፃኢ ብዛዕባ ምኻድ ዓቃቢ ሕጊ ቐሪቡ ናይ ቃል ክርክር ከስምዕ ቤት ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ።

እቲ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ምሃቡ ንጉዳይ ኣቶ ሃብታሙ ኣያሌው ዝከታተላ ብዓልቲ ቤቱ ገሊፁ’ሎ።

እቲ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ሎሚ ናይ ሓካይም ቦርድ ውሳነ ይምፃእ እምበር ሽዑ ንሽዑ ውሳነ ከምዝውሃቦ ገሊፁልና ነይሩ ይብል ኣባል ኣመራርሓ ፓርቲ ሓድነት ዝነበረ ኣቶ ዳንኤል ሽበሺ።

ይኹን እምበር በመሰረት እቲ ትእዛዝ ናይቲ ቦርድ ውሳነ እንተምፅአ እውን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክጓተት ምፅንሑ ኣቶ ዳንኤል ይዛረብ።እቲ ኽርክር 19 ሓምለ 2016 ክስማዕ እዩ።

ኣቶ ሃብታሙ ኣያሌው ህፁፅ ሕክምና እንተዘይረኺቡ እቲ ሕማም ብዝበለፀ ከምዝተሓላለኽን ሕክምንኡ እውን ኣፀጋሚ ከምዝገብሮ ሓካይም ኣጠቂቖም ኣለው ይብል ፀብፃብ መለስካቸው ኣምሃ።

XS
SM
MD
LG