ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኩራት ዓበይቲ ሃገራትን ዘይምስምማዕን ንኣኼባ ሃገራት ጉጅለ-20 ይዕብልል


ኣኼባ ሃገራት ጉጅለ-20 - ደቡብ ኣፍሪቃ
ኣኼባ ሃገራት ጉጅለ-20 - ደቡብ ኣፍሪቃ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንክልተ መዓልታት ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ሚንስተራት ፋይናንስ ሃገራት ጉጅለ-20፡ ገለ ካብ ቀንዲ ሃገራት ከምዘይተሳተፋ ሮይተርስ ሓቢሩ። ካልኦት ድማ ምስ ኣካታዒ ዛዕባ ክሊማ፡ ልቓሕን ዘይ-ምዕሩይነትን ብዝተሓሓዝ ኣብቲ ኣኼባ ኣይተሳተፉን።

ኣብቲ ኣብ ቁጠባዊን ብድሆታት ንምዝታይ ዝተዳለወ ኣኼባ ሚኒስተራት ፋይናንስ ኣመሪካ፡ ቻይና፡ ጃፓን፡ ህንዲ፡ በዓልመዚ ቁጠባዊ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳን ካናዳን ኣይተረኸቡን። ብኵራት እዞም ሰብ-መዚ ድማ ነቲ ትሑት ዕድል ስምምዕ ዝነበሮ ዕድል ዝያዳ ኣጽቢብዎ’ሎ።

ገለ ተንተንቲ ዘይምስታፍ እተን ቀንዲ ሃገራት ንኣገዳስነት እቲ ጉጅለ ኣብ ሕቶ ዘእቱ’ዩ ክብሉ እንከለዉ ካልኦት ድማ ብዘይተሳትፎ ኣመሪካ ንምቕጻል ጽቡቕ ዕድል’ዩ ይብሉ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG