ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስ ደራሲ 'ኣብራክ' ዘርእስታ መጽሓፍ ሙሉጌታ ኣረጋዊ ዝተኻየደ ቃለ ምልልስ


ድርሰት ሙሉጌታ ኣረጋዊ
ድርሰት ሙሉጌታ ኣረጋዊ

'መበገሲ እታ መጽሓፍ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ይራኣይ ዘሎ ሓደገኛ ኩነታት' ምዃኑ ይዛረብ ኣቶ ሙሉጌታ ኣረጋዊ። ኣብ'ዚ አዋን'ዚ ናይ ሕጊ መምህር ዝኾነ ሙሉጌታ ኣረጋዊ ነታ መጽሓፍ ቅድሚ ምጽሓፉ ብዝኣክል ምርምርን መጽናዕቲን፣ ምስ ሰባትን ተማሃሮን ቃለ ምልልስን ልዝብን ከምዝገበረ ይዛረብ።

ኣብ'ታ 'ኣብራክ' ዘርእስታ መጽሓፍ ብሄርን ዘርእን መበገሲ ንፍቕሪ፣ ሓልየት፣ ጽልእን ምጥርታርን፣ ከምኡውን ተንቂ ሞትን ቅትለትን እናኾነ ከሎ ምርኣይ ይካኣል።

'ገለ ሰባት መዘራረቢ እታ መጽሓፍ ዝኾነ ብሄረተኝነት ወይካኣ ዘርኢ ምስ ህወሓትን ኢህወዴግን ከራኽብዎ እንተፈቲኖም ተጋግዮም። ብሄረተኝነት ወይ ዘርኢ ብኢህወዴግ ወይ ህወሓት ዝመጸ ኣይኮነን። ሓቂ'ዩ ኣብ ሕጊ ስለዝወቀጥዎ ኢህወዴግ አጠናኺርዎ'ዩ። ሎሚ ግን ካብ ሕሉፍ ታሪኽና ተማሂርና፣ ከመይ ገይርና ኢና ንቕድሚት ክንግስግስ ንኽእል? ኢልና ክንዘራረብ ኣለና። ሰብ ክንዲዝድላዩ ነቐፌታ ኣንተቕረበ ሕጉስ'የ። ግን ኣነ ክራኣየለይ ዝደልዮ፣ ናብ መንግስቲ ናብ ዝተወሰኑ ውልቀ-ሰባት ናብ መንግስቲ ዘቕነዐ ጥራሕ ኣይንግበሮ። እቲ ጸገም ንኩላትና ክበልዐና ዝኽእል ከቢድ ነገር'ዩ' ይብል ሙሉጌታ ኣረጋዊ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:11:14 0:00

XS
SM
MD
LG